ሎሚ ቀዳም፡ 21 ሕዳር፡ 2026፥ ናብ ካሊኒንግራድ እትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ጽዕነት ሩስያ፡ ኣብ ወሽመጥ ፊንላንድ፥ ብክልተ ድሮናት ከም ዝተሃርመት ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።
በቲ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት፡ ጥቓ ደሴት ጎግላንድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብታ መርከብ ባርዕ ሓዊ ብምልዓሉ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ነፍሶም ንምድሓን ካብታ መርከብ ክወጹ ተገዲዶም ‘ዮም።
እዚ ቦታ፡ ኣብ መንጎ ሴንት ፒተርስበርግን ካሊኒንግራድን ዝርከብ ወሳኒ መስመር ባሕሪ ኮይኑ፡ ብኣባላት ቃል-ኪዳን ኔቶ ዝኾና ፊንላንድን ኤስቶንያን ዝተኸበበ’ዩ።
ኣመሓደርቲ ሌኒንግራድን ካሊኒንግራድን ነቲ መጥቃዕቲ ብምርግጋጽ፡ ኩሎም ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ምውጸኦምን ፡ መጠን እቲ ዝበጽሐ ዕንወት ይግምገም ከምዘሎን ብምሕባር፡ ቀረብ እቲ ዞባ ድማ ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ምህላዉ ገሊጾም።
ብተወሳኺ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሓለዋ ዶብን ፊንላንድ፡ ስርሒታት ህይወት ኣድሕን ባሕሪ ከም ዘወሃሃዱ፥ ንዝኾነ ብኽለት ከባቢ ንምክልኻል ቅድመ-ምድላው ከም ዝገበሩ፣ ከምኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣየርን ባሕርን ንግዚኡ ከም ዝገደብዎ ኣፍሊጦም።
ድሕሪ እቲ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ መርከብ ኲናት ሩስያ ዝተፈጸመን ዩክሬን ሓላፍነት ዝወሰደትሉን መጥቃዕቲ፡ እዚ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጸመ ካልኣይ ተመሳሳሊ ፍጻመ ክኸውን ከሎ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ነዚ ሎሚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ከም ዘየለ እቲ ጸብጻብ የመልክት።






