መራሕቲ ተቓወምቲ ኬንያ፡ ኣብቲ ምስ ምድላው ሓፈሻዊ ምርጫ ነሓሰ 2027 ዝምልከት ምስ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ዝነበሮም ኣኼባ ኣቋሪጾም ከም ዝወጹ ካብታ ሃገር ዝወጹ ሎሚ ዕለት 21 ሕዳር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የመልክት።
እቶም መራሕቲ፡ ኮሚሽን ምርጫ ኣብ ምድላው ምርጫን ኣብ ምምሕዳር መስርሕ ምርጫን ዘለዎ ድሉውነት ስክፍታ ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብወገኑ፡ እቲ ስጉምቲ ኣድላዪ ዘይኮነ ድራማ እዩ ብምባል ነቲ ተቓውሞ ነቒፉ።






