ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሊብያ፡ ሃገሩ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣካል ከም ዘይኮነት ብምግላጽ፡ መሬት ይኹን ክሊ ማይ ሊብያ፡ መዋግኢ ባይታ ሃገራት ወጻኢ ንክኸውን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ብትሪ ከም ዝነጸጎ፡ ሎሚ 23 ሕዳር ዝተዘረገሐ ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ይሕብር።

እቲ ባይቶ ነዚ መግለጺ ዘውጽአ፡ ትማሊ ሰንበት 22 ሕዳር፡ ኣብ ወደብ ቤንጋዚ ኣብ ዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያን፡ ኣብ ጥቓ እቲ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝነበረት ሰንደቕ ዕላማ ማልታ ዝሰቐለት መርከብ ጽዕነትን ብድሮን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ’ዩ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሊብያ ኣብ መግለጺኡ፡ ዞባውያንን ዓለምለኻውያንን ሃገራት ልኡላውነት ሊብያ ከኽብራ ዝጸውዐ ኮይኑ፡ ምስ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ክልተኣዊ ስምምዓት፡ ኣብ ልዕሊ ጸጥታ እታ ሃገር ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ከም ምኽንያት ክቐርብ ከምዘይክእል ኣስሚሩሉ።

ብተወሳኺ፡ ነቲ መጥቃዕቲ መን ከም ዝፈጸሞ ንምፍላጥ ቅልጡፍ ምርመራ ክካየድን፡ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምክፍፋላት፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ከየውድቕዎ፡ ሓድነታዊ መንግስቲ ክምስረትን እቲ ባይቶ ጸዊዑ።

US military conducts strikes on Iran's Qeshm Island in defensive operation, officials say - Caribbean Broadcasting Corporation