ኢራን፡ ንተጻብኦ ኣመሪካ ብኹሉ ዓቕምታታ ክትምክቶ ምዃና ኣጠንቂቓ

ኢራን፡ ኣመሪካ ኣንጻራ ትፍጽሞ ኣላ ንዝበለቶ ተጻብኦ ንምምካት፡ ኣብ ኢዳ ዘሎ ኩሉ ዓቕምታት ክትጥቀም ምዃና ከም ዘጠንቀቐት ሎሚ 23 ሕዳር ዝተዘርግሐ ጸብጻብ መደበር ተለቪዥን ኣልጀዚራ የመልክት።

ቴህራን፡ ኣመሪካ ኣብ ወደባት ኢራን ዝገበረቶ ዕጽዋ ባሕራዊ ሓይሊ ብተወሳኺ ኮኒና፡ እቲ ስጉምቲ ከም ተግባር ወተሃደራዊ ተጻብኦ ከም እትቖጽሮ ገሊጻ።

እቲ መጠንቀቕታ፡ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዝተዋህበ ምዃኑ ተንተንቲ ይጠቅሱ።