ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዜጋታት ዝገጥሞም ዘሎ ከቢድ ብድሆታት ንምፍታሕ ዝተዋደደ ጻዕሪ ከም ዘድሊ፡ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ19 ሕዳር 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ቀዋሚ ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኦዞንያ ኦጄሎ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ዑደት ስራሕ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብታ ክልል ዝርከብ ህዝቢ ዓበይቲ ብድሆታት የጋጥሞ ከም ዘሎን፡ ነቶም ህጹጻት ጠለባት ንምምላስ ድማ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብዝተዋደደ ኣገባብ ክሰርሑ ከም ዘለዎምን ኣገንዚቡ።
ዶ/ር ኦጄሎ፡ ኣብቲ ካብ 17 ክሳዕ 19 ሕዳር 2026 ምስ ዓለምለኻዊ መሻርኽቲ ብምዃን፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየዶ ዑደት፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ቅልውላው ንኽወጽእ፡ ሰላም፣ ተስፋን ዝሓሸ መጻእን ዝፈጥሩ መገድታት ምጥጣሕ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ጻንሒቱ ምስ መራሕቲ በዓል-ሓደራ ምምሕዳር እታ ክልል፣ ሰብኣዊ መሻርኽትን ወከልቲ ሕብረተሰብን ብምርኻብ ብዛዕባ ህሉው ሰብኣውን ልምዓታውን ኩነታት ብቐጥታ ተዘራሪቡ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ምርግጋእ ንምምጻእ ኣርባዕተ ቀንዲ ቀዳምነታት ምትግባር ከም ዘድሊ ኣብሪሁ፤ ንሳቶም ድማ፡ ምምላስ ሰላምን ጸጥታን፣ ምርግጋጽ ሲቪላዊ ምምሕዳርን ግዝኣተ ሕግን፣ ሰፊሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ከምኡ’ውን ተመዛበልቲ ዜጋታት ናብ መረበቶም ዝምለሱሉ ኩነታት ምፍጣር ምዃኖም ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ንቡር ህይወቶም ንኽምለሱን መሰረታዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ንኽጅምሩን፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላትን ዝገብርዎ ደገፍ ኣሐይሎም ክቕጽሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እውን ሕቡራት ሃገራት ምስ ሓላፊ ፈጻሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃ ብምርኻብ፡ ኣብቲ ክልል ዝረአ ዘሎ ግጭት ደው ክብልን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ክባጻሕን ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ምጽንሑ ይፍለጥ።





