ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ፡ ብዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላትን ዝካየዱ ዘለዉ ዝተበታተኑ ጻዕርታት ዝተዋደዱ ብዘይምዃኖም ውጽኢታውያን ከም ዘይኮኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ገሊጾም።
እቶም ተንተንቲ፡ እቲ ዝካየድ ጻዕርታት ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ከም ዘለዎ ብምምልካት፤ እቲ ሕብረት ኣብ ኣፈጻጽማ ስምምዓት ኣልጀርስን ፕሪቶርያን ካብ ዘርኣዮ ድኽመት ክመሃር ከም ዘለዎ ምግላጾም ዶቸ ዌለ ሎሚ 23 ሕዳር 2026 ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ብጻዕባ ወተሃደራዊ ግጭታት ዘጽንዕ ትካል ኣክሌድ (ACLED) ከም ዝሓበሮ፤ ኣብ ኲናት 1998-2000 ቀንዲ ዓውደ-ውግእ ኣብ ዝነበረት ከተማ ባድመ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ምውሳኹን ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ተቐራራቢ ቦታ ምህላዉን ነቲ ናይ ኲናት ስግኣት ኣጋዲድዎ ኣሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ጻዕርታት ሰላም የካይድ ከም ዘሎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ጓንግ ኮንግን ኣመሪካን እውን ተመሳሳሊ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ፤ ይኹን ‘ምበር ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ላይደን መምህር ፖለቲካ ዝኾነ ፕሮፈሰር ጆን ኣቢንክ፡ “ዝተበታተነ ጻዕርታት ውጽኢት ስለ ዘይብሉ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ መሪሕ ተራ ክጻወት፡ ካልኦት ኣካላት ድማ ነዚ ኣፍልጦ ክህብዎ ኣለዎም” ኢሉ።
ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ባንኮለ ኣዶየ ነቶም ዝተፈረሙ ስምምዓት ንምንቕቓሕ ይስራሕ ከም ዘሎ እኳ እንተገለጸ፤ ፕሮፈሰር ኣቢንክ ግን እቲ ሕብረት ኣብ ትግባረ ስምምዓት ኣልጀርስን ፕሪቶርያን ዝነበሮ ድኹም ክትትል ክእርም ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ፡ ኣማኻሪ ትካል ፍትሕን ዕርቅን ፕሮፈሰር ቲም ሙሪቲ ውሽጣዊ ድኽመት ኣፍሪቃውያን ንግዳማውያን ሓይልታት ዕድል ከም ዝኸፈተ ክገልጽ ከሎ፤ ፕሮፈሰር ኣቢንክ ድማ ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ጉዳይ ብቐንዱ ንሕብረት ኣፍሪቃ ዝሓድጎ ከም ዝመስል ትንታነኡ ኣካፊሉ።





