ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ክልተ መራኽብ ሩስያ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ባሕሪ፡ ሃገሩ ሓላፍነት ከም እትወስድ ምፍላጡ፡ ሎሚ 23 ሕዳር 2026፡ ዝተዘረገሐ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ነቲ ትማሊ 22 ሕዳር ወጋሕታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ኣብነታዊ ወተሃደራዊ ስርሒት ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣብዚ መጥቃዕቲ፡ ‘መርኩሪ ‘ ዝተባህለት ወተሃደራዊት መርከብ ሩስያ ክትጥሕል ከላ፡ ኣብ ወደብ ቤንጋዚ ዝነበረት ‘ ኤምቪ ኣንጋራ ‘ ዝተባህለት መርከብ ጽዕነት ድማ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበጸሓ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

እታ መርከብ ኣጽዋርን ተተኳስን ጽዒና ከም ዝነበረት ተገሊጹ ኣሎ።
Zelensky says Ukraine sank a Russian ship near Libya's coast and hit  another vessel | Irish Independentብተወሳኺ፡ ትማሊ ምሸት ካልእ ድሮን ባሕሪ ንሓንቲ ባንዴራ ማልታ ዝሰቐለት ንግዳዊት መርከብ ክትወቅዕ ከላ፡ ሓይልታት ሊብያ ድማ ተፈንጀርቲ ዝጸዓና ልዕሊ 10 ዝኾና ተወሰኽቲ ድሮናት ከም ዘምከኑ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ፍጻመ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሊብያን ሩስያን ጉድኣት ምብጽሑ እቲ ሓበሬታ የነጽር።

ሰበ-ስልጣን ምብራቕ ሊብያ ነቲ መጥቃዕቲ፡ ልኡላውነት ሃገሮም ዝጥሕስ ተግባር ‘ዩ ክብሉ ኮኒኖምዎ ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ፍጻመ ከቢድ ስክፍታ ከም ዝተሰምዖ ብምግላጽ፡ ናጻን ዘይሻራውን ምርመራ ክካየድ ጸዊዑ።

ተንተንቲ ጉዳያት ምክልኻል ብወገኖም፡ እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራብ ሊብያ ምስ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ዝተኣሳሰር ምንቅስቓስ ወይ መደበር ዩክሬን ክህሉ ከም ዝኽእል ዘመላኽት ምዃኑ ይገልጹ ምህላዎም እቲ ጸብጻብ የመልክት።