መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት በዓል ሕዳር ጽዮን ናብ ከተማ ኣኽሱም በረራ ከም ዝጅምር፡ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ኣብርሃ፡ ሎሚ 25 ሕዳር 2026 ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ኣካፊሉ።

እቲ በረራ ዝጅምር ዘሎ፡ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን እታ ክልል ምስ ካውንስል ፈጸምቲ ስራሕ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይን ኣብ ፈደራል ዝርከቡ ሓገዝቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ብዝገበሮ ጻዕሪ ምዃኑ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።

ዓመታዊ 30 ሕዳር (ብኣቆጻጽራ ሓበሻ ድማ 21 ሕዳር) ዝኽበር በዓል ሕዳር ጽዮን ብድምቀት ንምኽባርን ኣጋይሽ ብበዝሒ ናብ ከተማ ኣኽሱም ክመጹ ንምጥጣሕን ድማ ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ተጣይሾም ምድላዋት ይግበሩ ኣለዉ።

ብተወሳኺ፡ ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም፣ ነበርትን ኣባላት ጸጥታን፡ ጽሬት ከባቢኦም ብምሕላው፡ ጸጥታ ብምውሓስን ኣጋይሽ ብምትእንጋድን ነቲ በዓል ብሰላማውን ባህላዊ ትውፊቱ ብዝሓለወን መገዲ ንምሕላፍ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

እቲ በረራ ዝጅምረሉ ንጹር ዕለት ዛጊድ ብወግዒ ዘይተነጸረ እኳ እንተዀነ፤ ቅድሚ በዓል ሕዳር ጽዮን ኣብ ዘለዉ መዓልታት ክጅመር ምዃኑን ቅድመ-ምድላዋት ይግበሩ ከም ዘለዉን ተፈሊጡ ኣሎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መስከረም 2026 ናብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ደው ድሕሪ ምባሉ፡ ኣቐዲሙ ናብ ከተማታት መቐለን ሽረን ስሩዕ በረራ ምጅማሩ ይፍለጥ።

ምጅማር በረራ ኣኽሱም፡ ነቶም ናብቲ በዓል ክጓዓዙ ዝደልዩ ነጋዶን በጻሕቲ ሃገርን ጉዕዞኦም ከቕልል ትጽቢት ይግበር።