ኣብ ዞባ ብሉ ናይል ሱዳን፡ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ድሮናት ብውሕዱ 14 ሰባት ሞይቶም፡ ካልኦት 15 ድማ ከም ዝቆሰሉ፡ ሎሚ 25 ሕዳር 2026 ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ይሕብር።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከተማታት ኤድ ዳማዚንን ሮዘይረስን ከም ዝተፈጸመ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፍ ሓደ ጉጅለ ሲቪላዊ ማሕበራት ገሊጹ።
እቲ ጉጅለ ከም ዝሓበሮ፡ ካብ 40 ንላዕሊ ዝዀና ርእሰ-ቅትለታውያን ድሮናት፡ ኣብ መንበሪ ኣባይትን ወተሃደራዊ ቦታታትን ዒላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ፈጺመን።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ካብ ምግዳድ ሓሊፉ፡ ኣብ መንበሪ ከባቢታት ዝነብሩ ሲቪላውያን ንዝያዳ ሓደጋ ከምዘቃልዕ ተገሊጹ።





