ኣብ ሱዳን፡ ብሰራዊት ሱዳን ዝድገፍ መንግስቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብኣሸማጋልነት ሃገሩ ኩሎም ኣካላት ዝሳተፍሉ ሃገራዊ ዘተ ንኽካየድ ዘቕረቦ ጻውዒት ነጺጉ።
ብኣንጻሩ፡ ምስ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ ዝተሰለፈ ተቐናቓኒ ምምሕዳር፡ ነቲ ተበግሶ ብኣዎንታ ተቐቢሉዎ።
እዚ ፍልልይ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍታሕ እቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እትጻወቶ ተራ ብዝምልከት ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ዘሎ ፍልልይ ዘንጸባርቕ’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ተዓዋቲ ሱዳንን ህዝባን ክኸውን ኣለዎ” ብምባል፡ እቲ ኲናት ምቕጻሉ ትካላት፡ ታሪኽ፡ ብዙሕነትን መጻኢ ዕድልን ሱዳን ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ ከምዘእቱ ኣጠንቂቑ።
ኢትዮጵያ ካብ ኩሎም ወገናት ብማዕረ ርሕቀት ብምቛም፡ ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ወገናት ብዘተ ፍታሕ ንኽርከብ ዘኽእል መድረኽ ንምጥጣሕ ድልውቲ ምዃና’ውን ገሊጹ።
እቲ መድረኽ ኣብ ግሉጽነት፥ ኣብ ጉዳይ ብቕንዕና ምትሕልላይን ሓባራዊ ኣኽብሮትን ዝተመርኮሰ ክኸውን ከም ዝግባእ ዝጠቐሰ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ዕላማ ድማ፡ ሱዳናውያን ባዕሎም፡ ብዘይ ዝዀነ ግዳማዊ ጸቕጢ፡ ዘላቒ ፍታሕ ክመጽኡ ምሕጋዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ ።
እዚ ጻውዒት`ዚ ብዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕን ደንበ ተቓውሞን ንእለቱ ተቐባልነት ክረክብ እንከሎ፥ እቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝመደበሩ መንግስቲ ሰራዊት ሱዳን ግን ንኢትዮጵያ ከም ተጻባኢት ሓይሊ ብምቝጻር ብትሪ ምንጻጉ ብዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ዘሎ መርገጽን ኣቋምን ዝነጽር ምዃኑ ተነተንቲ ይገልጹ።





