ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ጀርመን፡ ፍራንክ-ቫልተር ሽታይንማየር፡ ሎሚ ንግሆ ናይ መወዳእታ መዕረፊት ዑደቱ ናብ ዝኾነት ኬንያ ኣትዩ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ኣብ ናይሮቢ ድሕሪ ምብጽሑ ድማ፡ ብፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣቀባብላ ተገይርሉ።
ሽታይንማየር፡ ኣብ ናይሮቢ ንዝተፈላለዩ ትካላት ክበጽሕ ፥ ምስ ወከልቲ ንግዳዊ ጽላትን ልኡኻትን ክልቲአን ሃገራት ድማ ክራኸብ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ጀርመን ምስ ኣፍሪቃ ኣብ 2025 ዝነበራ ንግዳዊ ልውውጥ፡ ብ10.5 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸን ኣብ ልዑል ደረጃ ከም ዝበጽሐን ተገሊጹ።
ሽታይንማየር፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ጀርመን ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ንግዳዊ ርክብ ከተጠናኽር ከም ዘለዋ ኣገንዚቡ።
ቅድሚ ናብ ኬንያ ምእታዉ ድማ፡ ጋናን ኣይቮሪ ኮስትን ከም ዝበጸሐ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
እቲ ዑደት፡ ጀርመን ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ምትሕብባርን ንግዳዊ ርክብን ንምዕባይ ድሌታ፡ ኣብ እተጉልሐሉ እዋን ይካየድ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ የመልክት ።





