ሩስያን ዩክሬንን፡ ብለይቲ ኣብ ሓድሕደን ብዝፈጸምኦ መጥቃዕቲ ድሮንን ሚሳይላትን፡ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ትሽዓተ ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉን ሰበ-ስልጣን ክልቲአን ሃገራት ከም ዘፍለጡ፡ ሎሚ 27 ሕዳር 2026 ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ኣናዶሉ የመልክት።
ሩስያ፡ ኣብ ትሽዓተ ዞባታት ዩክሬን ኣብ ዝርከብ ትሕተ-ቅርጻዊ መሳለጥያታትን ካልእ ዒላማታትን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ክግለጽ ከሎ፡ ዩክሬን ብወገና ኣብ ሩስያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኖቮሮሲስክ ብድሮናት መጥቃዕቲ ኣካይዳ።
እቲ ሕድሕዳዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንሰለማዊ ህዝብን ትሕተ-ቅርጻዊ መሳለጥያታትን ዘስዕቦ ዘሎ ሓደጋታት ዘርኢ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።





