ኣብ ምዕራባዊ ኒጀር ኣብ እትርከብ ከተማ ሳናም፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ሃገራዊ ሓለዋ ብዝተፈጸመ ዕጡቕ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 13 ኣባላት ጸጥታ ክቕተሉ ከለዉ፡ ካልኦት 20 ድማ ከም ዝቖሰ፡ ሎሚ 27 ሕዳር፡ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ይሕብር።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኒጀር ብመገዲ ተለቪዥን መንግስቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሓሙስ ወጋሕታ ሰዓት ሓሙሽተ፡ ከቢድ ኣጽዋር ብዝዓጠቑ ሓያሎ ዕጡቓት ዝተፈጸመ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ጸጥታ ኒጀር ኣብ ዝወሰድዎ ግብረ-መልሲ፡ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ከምዝቐተሉን ዕጥቆም ከምዘዕነዉን ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ፡ ነቶም ዝተረፉ ንምህዳን ዝግበር ስርሒት ከም ዝቐጸለ ኣረጋጊጹ።

ክሳዕ ሕጂ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ እኳ እንተዘየለ፡ እቲ ጥቓ ዶብ ማሊ ዝርከብ ዞባ ቲላቤሪ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ዝካየደሉ ከባቢ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

እዚ ፍጻመ ዝተሰምዐ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ብቦኮ ሓራም ተፈጺሙ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ 11 ወታደራት ድሕሪ ምቕታሎም’ዩ።