ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ ምስ መራሒ ፓርቲ ያሻር ጋዲ ኣይዘንኮት ብምስምማዕ፡ ሓድነታዊ መንግስቲ ንምቛም ፍቓደኛ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣይዘንኮት ኣብ ፈለማ ክልተ ዓመት እቲ ዘመን ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክመርሕ፡ ንሱ ድማ ኣብ ካልኣይ ተራ ኮይኑ ክሰርሕ ከም ዝተሰማምዐ ኣፍሊጡ።

ኔታንያሁ፡ መራሒ ዝዓበየ ፓርቲ ብምዃኑ መንግስቲ ክመርሕ መሰል ከም ዘለዎ እኳ እንተኣምነ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣትን ፖለቲካዊ ብድሆታትን ንምግጣም፡ ንገለ ካብቲ መትከሉ ክሓድግ ከም ዝወሰነ ገሊጹ።

እቶም ክልተ ወገናት ብቕልጡፍን ብቕንዕናን ዝርርብ ክጅምሩ’ውን ጸዊዑ።

እዚ ሓሳብ ኣብ እስራኤል ድሕሪ እቲ ኣብ 27 ጥቅምቲ 2026 ዝተኻየደ ምርጫ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዕግተት ንምፍታሕ ዝቐረበ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብቲ ምርጫ ዝኾነ ወገን ኣብ ባይቶ እታ ሃገር እኹል 61 መናብር ብምርካብ መንግስቲ ክምስርት ኣይከኣለን።

ጋዲ ኣይዘንኮት፡ ብፕረዚደንት እስራኤል ኢሳክ ሄርዞግ መንግስቲ ናይ ምቛም ሓላፍነት ተቐቢሉ፡ ክሳዕ 6 ታሕሳስ 2026 መንግስቲ ክምስርት ግዜ ተዋሂብዎ ኣሎ። እዚ ንምግባር እንተዘይተዓዊቱ እውን ን 14 መዓልታት ተወሳኺ ግዜ ክጠልብ ይኽእል።

እንተኾነ፡ እቲ ሓሳብ ካብ ተቓወምቲ ኔታንያሁ ጥርጣረ ኣልዒሉ ኣሎ። ናፍታሊ ቤነት ነቲ ሓሳብ ብጥንቃቐ እኳ እንተተቐበሎ፡ ያኢር ላፒድ ግን ነቲ ተበግሶ ከም ፖለቲካዊ ሜላ ብምግላጽ ነጺግዎ።

ክሳዕ ሕጂ ኣይዘንኮት ነቲ ሓሳብ ብወግዒ ኣይተቐበሎን። በዚ ከኣ፡ ሓድነታዊ መንግስቲ ክምስረት ድዩ ወይስ እቲ ፖለቲካዊ ዕግተት ናብ ሓድሽ ምርጫ ክመርሕ’ዩ ዝብል ሕቶ ገና መልሲ ኣይረኸበን።