ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ብሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ባሕሪ ኢራን ዝቐረቡ ኣንጻር ኣሜሪካ ዝቐንዑ ክስታት ከም ዝነጸገ ሎሚ 28 ሕዳር ዝወጸ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣናዶሉ የመልክት።
እቲ ትካል፡ ሓይልታት ኣሜሪካ ክልተ መራኽብ ነዳዲ ኢራን ከም ዝተቖጻጸሩ ዝብል ክሲ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ።
ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ብተወሳኺ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ክልተ መራኽብ ነዳዲ ካብ ቁጽጽር ኣመሪካ ከምዘምለሰ ዝቐረበ ወረ እውን ነጺጉ። እቲ ኣወሃሃዲ ሓይሊ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኢራን ሕጂ ሓይሊ ባሕሪ ከምዘይብላ ብምጥቃስ፡ እቲ ክሲ ዝተሰርሐ ሓሶት ምዃኑ ኣብ መርበብ X ኣፍሊጡ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኦፕሬሽን “Epic Fury” ኣብ ልዕሊ መርከብ ውግእ ኣሜሪካ USS Abraham Lincoln መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብል ክሲ’ውን ብማእከላይ እዚ ተነጺጉ።
እቲ ኣወሃሃዲ እታ መርከብ ብኢራን ከምዘይተጠቕዐትን፡ እቲ ጉጅለ መራኽብ ውግእ ድማ ዕማሙ ዛዚሙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብድሓን ናብ ኣሜሪካ ከም ዝተመልሰን ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣመሪካ ኣብ መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ክሳብ 2.5 ሚልዮን ዶላር ከምእትእክብ ዝብል ክሲ እውን ነጺጉ።
ማእከላይ እዚ፡ መራኽብ ነቲ መሰመር ንምስጋር ዝኾነ ዓይነት ክፍሊት ከምዘይከፍላ ብምግላጽ፡ ኣሽሓት መራኽብን ቢልዮናት በርሚል ነዳድን ብድሓን ከምዝሓለፉ ኣረጋጊጹ።
እዚ መስርሕ ምልውዋጥ ክስታት፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ብዛዕባ ቁጽጽር መስመራት ምምልላስ ባሕሪን እገዳ ወደባት ኢራንን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ዝተኸስተ’ዩ።





