ኣብ ሰሜናዊ የመን፡ መሰረታዊ ምግብታት ኣብ ዕዳጋ እናተረኽቡ እኳ፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ዋጋታት፡ ሕጽረት ስራሕን ምቁራጽ ረድኤት ምግብን፡ ብዙሓት ስድራቤታት ንመዓልታዊ መግቢ ክገዝኣ ብዘይምኽኣለን ብጥሜት ይሳቐያ ከምዘለዋ ሎሚ 28 ሕዳር ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ይሕብር።

ብመሰረት ጸብጻባት፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሑደይዳ፥ ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ዝኾነት መበለት፡ ብሰንኪ ልዑል ዋጋ መግቢ ንሓንቲ መዓልቲ ዝኣክል ሓርጭን ዘይትን ጥራይ ክትገዝእ ከምእተገደደት ገሊጻ።

ኣብ ከባቢታት ቁጽጽር ሑቲ፡ ሓደ ስድራቤት ኣብ ወርሒ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ዓሰርተ መዓልታት ጥራይ ዝኽፈል ስራሕ ክረክብ ዝኽእል ኩነታት ከምዘሎ ኣብ ጸብጻባት ይጠቅሱ።

ብተወሳኺ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ መስከረም 2025 ጀሚሩ ረድኤት ምግቢ ኣቋሪጹ ምህላዉ፡ ንኩነታት ጥሜት ኣጋዲዱዎ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ የመን ካብ ዘድልያ ምግቢ ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብ ወጻኢ እተእቱ ሃገር ብምዃና፡ ምንቅስቓስ መራኽብ፥ ሕጽረት ነዳዲን ወጻኢታት መጓዓዝያን ኣብ ዋጋ መግቢ ተጽዕኖ ይፈጥሩ ከም ዘሎዉ ይግለጽ።

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ወደባት ዝኣቱ ነዳዲ ብምጉዳሉ፡ ወጻኢታት መጓዓዝያን ምፍራይ እንጌራን እውን ወሲኹ ኣሎ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ውድባት ምግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራትን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን፡ የመን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ስግኣት ጥሜት ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኣብ እዋናዊ ጸብጻበን ኣጠንቂቐን።

እቲ ኩነታት ብፍላይ ኣብ መንጎ ግጭት፡ ድሕነት ምግቢ፥ ድኽነትን ምጉዳል ሰብኣዊ ረድኤትን ዘሎ ምትእስሳር ዘርኢ እዩ።

ክሳዕ ወርሒ ግንቦት 2027 ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣመልኪቱ ዝወጸ ትንበያታት፡ እቲ ቅልውላው ምግቢ ክቕጽል ከምዝኽእል የመልክት።