ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ኣውራጃ ኩናር ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ብዘጋጠመ ፍንጀራ፡ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ምቕታሎምን ምቑሳሎምን፡ ሎሚ 28 ሕዳር፡ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ይሕብር።
እቲ ሓደጋ ሎሚ ቀዳም ንግሆ፡ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ቅድሚ ቀትሪ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ኣውራጃ ዝኾነት ከተማ ኣሳዳባድ፡ ከባቢ ኣንዳር ሰር ኣብ እትርከብ ሓንቲ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ‘ዩ ኣጋጢሙ።
ኣፈኛ ፖሊስ ኣውራጃ ኩናር ፋሪዱላህ ደህቃን ንማዕከናት ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ድሕሪ እቲ ፍንጀራ ጉጅለታት ሕክምና ብቕልጡፍ ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ፡ ነቶም ዝቖሰሉ ተምሃሮ ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ኣግዒዞሞም ኣለዉ።
ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ቁጽሪ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ተምሃሮ ገና ብልክዕ ብወግዒ ኣይገለጽዎን ዘሎዉ።
ጠንቂ እቲ ፍንጀራ እንታይ ምዃኑ ወይ መን ከምዝፈጸሞ ክሳዕ ሕጂ ዝተፈልጠ ነገር ዘየለ ኮይኑ፡ መርመርቲ ጉጅለታት እታ ኣውራጃ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም መስርሕ መርመራ የካይዱ ከምዘለዉ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ።





