እስራኤል ኣብ ሰሜን ቓዛ ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ማሕበር ዶክተራት ብዘይዶብ ዓለም መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ክልተ ኣባላት ሰራሕተኛታት ከም ዝተቐትሉ ሎሚ 28 ሕዳር ዝተዘርግሐ ጸብዳብ መደበር ተለቪዥን ኣልጀዚራ ይሕብር።
ኣብቲ ብእስራኤል ዝተታሕዘ ምዕራባዊ ገማግም ቀላይ ዮርዳኖስ’ውን፡ ወተሃደራዊ ወረራታት፥ ማእሰርቲ ቆልዑን መጥቃዕቲ ኣባላት ሰፈርቲ እስራኤል ኣብ ፍልስጤማውያንን ቀጻሊ ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ እስራኤል ብወገና፡ ኣብ ምዕራባዊ ግማግም ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ከም ጸወታ ዘቕርብ ንድፊ ቴሌቪዥን (satirical sketch) ኣከራኻሪ ምላሽን ቁጥዐን ፈጢሩ።
እቲ ዝተላዕለ ተቓውሞ ግን፡ ካብቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ጉዳይ ዝተፈልየ ኣንፈት ከም ዝሓዘ እቲ ዘቕርቦ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ጋዜጠኛ መደበር ተለቪዥን ኣልጀዚራ ኑር ሂጃዚ፡ ካብ እየሩሳሌም ኣብ ዕለታዊ መደብ ዜና ጆርሳሌም ዴይሊ እቲ ዝተቃልሐ ሓበሬታን ሓደስቲ ምዕባለታትን ተኸታቲላ ከም ትሕብር እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የመልክት።






