“ደገፈቲ ህግደፍ ብዛዕባ ጸገምን መጻኢን ህዝቦም ንጣር ሻቕሎት እንተዝህልዎም፡ ነቲ ካብ መሸጣ መዓድናት ሃገርና ቢልዮናት ዶላራት እንዳገሓጠ ካብ ምሕደራ ኣስጊሉ ዘሎ ጸቢብ ጉጅለኦም ምሓተቱ ኔሮም፡” ዝብል ህዝባዊ ርእይቶ ገና ይቕጽል ኣሎ።

ሓደ ሃገራዊ ዝበሃል ብዛዕባ ኩሉንትናዊ ጽባቐን መስተርሆትን ህዝቡ ሓሲቡ ዝጓዓዝ ዜጋ ምዃኑ ካብ ምዝኽኻር ዘየዕረፈ እቲ ህዝባዊ ርይእይቶ ደገፍቲ ህግደፍ – ተሓንጊጦማን ዝሕብኡላን ዘለዉ ዓይነት ሃገራውነት ናይ ፍርሂን ረብሓን ምዃና እዩ ዘተሓሳስብ። ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥን ህዝቢ ብኣካል ዝሓልፎ ዘሎን ሕሰም ፡ “ብሰንኪ ምዕራባዊ እገዳ እዩ” ንዝብል ምውት ምኽኒት ህግደፍ ኣሚኖም ዝጓዓዙ ዘለዉ ደገፍቲ  ነቲ ሓቂ ዘንጊዖም ዘይኮኑ ሕልናኦም ፍርሂ ስለዝበልዖ እዩ ክብል እቲ ህዝባዊ ርይቶ ይወቅስ።

ናብ’ታ ንህዝብኻ ሲኦል ኮይና ዕለታዊት እትቐጽዕ ዘላ ኤርትራ ፡ ንረኣዩለይ ናይ ሒደት ሰሙናት ብጽሖ ንኽፍቀደልካ ንቐታሊ ህዝብኻ ዝኾነ ስርዓት ከተምልኽ ምምራጽ እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ክድዓት ምዃኑ እዞም ሎሚ ምስ ቀታሊ ህዝቢን ሃገርን ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝለሃዩ ዘለዉ ስማውያን ሃገራውያን ድማ ኣብታ ደሓር ብቅዋምን ፍትሒን እትግዛእ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ መላኺ ተሰሪዖም ከምዝምዘኑ እዩ እቲ ህዝባዊ ርእይቶ ደጊሙ ዘተሓሳስብ።

ኣብ ሃገሩ ፍትሒን ራህዋን ኸንግስ ዝቃለስ ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ፡ ንሃገር ኣድሒሩ ዘሎ ምልኪ ዝምግቡን ዝድግፉን ደቂ ዜግኡ ፡ እቶም ቀዳሞት ጠንቒ ሽግሩ ምዃኖም ልዕሊ ካልእ እዋን ነጺርሉ ከምዘሎ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።

ህዝቢን ሃገርን ዘባድም ንዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝድግፍ ዜጋ፡ ምስ’ቲ በቲ ጉጅለ ዝጭቈንን ዝቕተልን ዘሎ ሓፋሽ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘይኮነ ናይ ህላዌ ሕቶ እዩ ዘሎ። ንሓደ ቀታሊን ብኹሉ ገበናት ሰብኣውነት ዝሕተትን ስርዓት ዝድግፍ ኤርትራዊ ዜጋ  ኣካል ናይቲ ገበን ስለዝኾነ – ቅሉዕ ጸላኢ ሓፋሽ እምበር ካልእ ሽም ክወሃቦ ከምዘይኮነ – ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኣጸቢቑ በሪህሉ ዘሎ እዩ።
ህዝቦም ካብ ጸበባ ከይናገፍ ዝተሃላለኹ ዘለዉ ደገፍቲ ህግደፍ ደሓር መሬት ምስ ረሃወ ብዙሕ ሕጋዊን ፍርዳዊ ብድሆታት ክጽበዮም ምዃኑ ከስተዉዕሉ ፡ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ደጋጊሙ ካብ ምትሕስሳብ ኣየዕረፈን።