
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስቲ ንዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንክልል ትግራይ ከመሓድር ዝተሾመ ሓድሽ በዓል ሓደራ ምምሕዳር፡ ኣብ ዘተሓሳስብ ጉዳያት ዘተ ከምዘካየደ፤ ብ20 ጥቅምቲ 2026፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኽቦታት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያትን ዶክተር ኦዞንያ ኦጀሎን ፈጻሚ ዳይሬክተር ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃን፡ ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ ጉዳያት ኣተኲሮም ከም ዝተዘራረቡ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣካፊሉ።
እቲ ዘተ፡ ኣብ ምምላስ ሰላምን ድሕነትን፣ ዳግመ ህንጸት ህዝባዊ ምምሕዳር፣ ዳግም ምጅማር ቁጠባዊ ምንቅስቓሳትን ምምሕያሽ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝን ዘተኮረ’ዩ ነይሩ።
ኦጂየሎ፡ ዓመጽ ከብቅዕን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰባት መዓልታዊ ናብራኦም ክጅምሩ ምኽኣልን ህጹጽ ኣድላይነት ከምዘለዎ ኣስሚሩ።
ብተወሳኺ፡ መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላስን ንጻዕርታት ዳግመ ህንጸት ምድጋፍን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ብሰንኪ እቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ግጭትን ምዝንባልን ንዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ንምድጋፍ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህጹጽ ክበጽሕ ምግባር ከምዘድሊ ተዘራሪቦም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ቤንሻንጉል-ጉሙዝን ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ንዘድልዮም ልዕሊ 202,700 ሰባት ንምድጋፍ፡ ናይ 8.5 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዝመደበ፡ ብ14 ጥቅምቲ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ዘተ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ‘ተሓታትነት ክረጋገጽ’ ከም ዘልዓሉ’ውን ይግለጽ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዳግማይ ኲናት፡ ዞባዊ መልክዕ ይሕዝ ስለዘሎ፡ ደው ክብል ጸዊዑ ኣሎ።