
ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሱዳን፡ 21 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዓመታዊ ተርእዮ ዝቕባበ ዋጋታት ሱዳን ኣብ መስከረም ናብ 28.29 ሚእታዊት ከም ዝዓበየ ኣፍሊጡ፤ ዋጋ ምግብን መስተን ድማ ዓመታዊ ብገምጋም ደረጃ ብ36.81 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።
ሱዳን ትሪቡን 22 ጥቅምቲ ከም ዝሓበሮ፣ እዚ ወሰኽ ዋጋ ዝመጸ ኣብ ልዕሊ ዋጋታት ኣስቤዛ ዘሎ ጽዕንቶን መጠን ዋጋ ገንዘብ እታ ሃገር ብቀጻሊ ምውራዱን ስዒቡ’ዩ።
ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ሓደ ዶላር ብልዕሊ 9,000 ፓውንድ ሱዳን ይሽረፍ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ቤት ጽሕፈት፣ መጠን ወሰኽ ዋጋታት ኣብ ከተማታት ኣብ ወርሒ መስከረም ክሳዕ 40.35 ሚእታዊት ዝበጽሐ ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ገጠራት ግና 21.18 ሚእታዊት በጺሑ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሓፈሻዊ ወሰኽ ዋጋታት እታ ሃገር 26.14 ሚእታዊት ዝነበረ ኮይኑ፤ ኣብ ከተማታት 38.05 ሚእታዊት ከምኡውን ኣብ ገጠራት 19.26 ሚእታዊት ነይሩ።
እቲ ቤት ጽሕፈት፣ ነቲ ኣብ ጠቕላላ ዋጋታት ዝረአ ዘሎ ቀጻሊ ወሰኽ ዋጋ ምግቢ፣ መስተ፣ ትምባኾ፣ ክዳውንቲ፣ ጫማ፣ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣቑሑት ገዛ፣ ጥዕናን መጓዓዝያን ከም ዘጠቓልል ገሊጹ።
እዚ ዝኽሰት ዘሎ ቁጠባዊ ጽዕንቶ፡ ዕድላት ስራሕ ኣብ ዝንክየሉን ሳዕቤን እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት፣ ንግድን ሕርሻዊ ንጥፈታትን ዘብጽሖ ዘሎ ዕንወት ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋንን ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።