ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሑቲ፡ ባይቶ ግብጺ ንፕረዚደንት ዓብዱልፈታሕ ኣል-ሲሲ፡ ንስዑዲ ዓረብ ካብ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ሑቲ ንምክልኻል ወተሃደራዊ ደገፍ ክህብ ዘኽእል ፍቓድ ምሃቡ፡ ኣንጻር የመን ዝተኣወጀ ኲናት ምዃኑ ገሊጹ።

ኣባል ፖለቲካዊ ቢሮ ሑቲ መሓመድ ዓሊ ኣል-ሑቲ፡ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ግብጺ ንስዑዲ ዓረብ ንምክልኻል ወተሃደራዊ ደገፍ ክትህብ ምውሳና፡ ኣንጻር ሪፓብሊክ የመን ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ኢሉ።

ባይቶ ግብጺ ብ26 ጥቅምቲ 2026፡ ንፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ንስዑዲ ዓረብ ንምክልኻል ኣድላዪ ስጉምትታት ክወስድ ፍቓድ ምሃቡ ዝፍለጥ’ዩ።

Sisi says Egypt would defend Saudi territory but rules out attack on Yemen  | Reuters

እቲ ውሳነ፡ ሪያድ ወግዓዊ ሕቶ እንተቕሪባ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምሃብ ዘኽእል እዩ። ካይሮ ግን እቲ ደገፍ ኣብ ምክልኻል መሬትን ዶባትን ስዑዲ ዓረብ ከም ዝድረት፡ ኣብ የመን ድማ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዕላማ ከም ዘይብሉ ኣፍሊጣ።

እዚ ምዕባለ፡ ኣብ መንጎ ሑቲ፡ ስዑዲ ዓረብን ሓያሎ ሃገራት ዞባን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝያዳ ወተሃደራዊ ግጭት ከይዓርግ ስግኣት ኣልዒሉ ኣሎ።

እቲ ውሳነ ግን ንእለቱ ግብጽን ሑቲን፡ ኣብ ወግዓዊ ኲናት ክኣትዋ እየን ማለት ከም ዘይኰነ ተንተንቲ ይገልጹ።