‎ጆርጅ በርናርድ ሾው
‎ጆርጅ በርናርድ ሾው (George Bernard Shaw)፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ስነ-ጽሑፍ ፍሉይ ቦታ ዝሓዘ ኣየርላንዳዊ ደራሲ፡ ተዋስኦ ጸሓፊን ማሕበራዊ ነቓፊን እዩ።
‎
‎ሾው፡ ብዕለት 26 ሓምለ 1856 ኣብ ደብሊን-ኣየርላንድ ተወሊዱ።
‎
‎ንሱ፡ ብፍላይ ብበሊሕ ቀልዱ፥ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባኡን ንማሕበራዊ ልምድታትን ዝተመስረቱ ኣረኣእያታትን ጸኒዑ ዝብድህ ጽሑፋቱን ይፍለጥ።
‎
‎ሾው፡ ካብ 60 ንላዕሊ ተዋስኦታት ዝጸሓፈ ኮይኑ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባታት፥ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ፥ ኣብ ጉዳይ ድኽነት፥ ሃይማኖትን ሰብኣዊ ርክባትን ኣድሂቡ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ብምድህሳስ ጽሒፉ’ዩ።
‎
‎ብፍሉይ ቅዲ ጽሕፈቱን ብልሒ ነቐፌታኡን ድማ ሻቭያን ሳታየር ‘Shavian Satire’ ዝብል መጸውዒ ተጓናጺፉ’ዩ።
‎
‎ኣብ 1925 ኣብ ዓውዲ ስነ ጽሑፍ ኣድሂቡ ብዝገበሮ ደርማስ ኣበርክቶ ሽልማት ኖበል ተቐቢሉ።
‎
‎ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ 1938 ናብ ፊልም ዝተቐየረ ተዋስኦኡ “Pygmalion”፡ ኣብ 1939 ሽልማት ኦስካር ኣረኣእያ ተዓዊቱ እዩ።
‎
‎ በዚ ድማ ሽልማታት ኖበልን ኦስካርን ዝተዓወተ ቀዳማይ ዉልቀሰብ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ’ዩ።
gallery/image_20261101_223606.webp
George Bernard Shaw
‎
‎ጆርጅ በርናርድ ሾው፡ ብዕለት 2 ሕዳር 1950፡ ኣብ መበል 94 ዓመት፡ ኣብ ኣዮት ሴንት ሎውረንስ፡ ሄርትፎርድሻየር ዓዲ እንግሊዝ ዓረፈ።
‎
‎ስራሓውቱ ክሳዕ ሎሚ ኣብ መድረኻት ተዋስኦን ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለምን ብሰፊሑ ካብ ዝንበቡን ዝቐርቡን እዮም።
‎
‎ ሾው፡ ብዝሓደጎ ስነ-ጥበባውን ሓሳባውን ውርሻ፡ ኣብ ታሪኽ ደረስቲ ዓለም ዘይርሳዕ ስም ኮይኑ ከም ሃረም ጸኒዑ ይርከብ ኣሎ።
‎
‎ክቡራት ተኸታተልትና፡ ጽባሕ ዕለት 2 ሕዳር ብምዃኑ ንሾው ምኽንያት ገይርና ናይ ሰንበትና እናዘከርና፡ ንስኹም ድማ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መዳይ ስነ ጽሑፍ ዓለም ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገብረ መን ኣሎ ትብሉ፧
‎
‎ርእይቶኩም ጽሓፉልና ኢኹም።