ጅሮ-ዲ ኢታሊያ 2024

ትማሊ ኣሃዱ ኢሉ ዝጀመረ ጅሮ ዲ-ኢታሊያ 2024፣176 ተቀዳደምቲ ዉድድሮም ክጅምሩ ክኢሎም። ኣብቲ 140 ኪ.ሜተር ዝሸፈነ ካብ ቫናሪያ ሪያለ፡ናብ ቶሪኖ ዝነበረ ጉዕዞ ቀዳማይ መድረኽ፣ጆናታን ናርቨዝ ብ3:14:23 ( 3 ሰዓትን 14 ደቂቓን 23 ካልኢትን)ብ ምእታው ቀዳማይ ኮይኑ ዛዚምዎ፣ጊዜ ከይከሰሩ ማክሲሚላንን ታደጅ ፓጋቻር 2ይ ን 3ይ ጀረጃ ሒዞም ወዲኦም። ኤርትራዉያን ተቐዳደምቲ ብሉጽ ብቕዓት ዘርኣይሉ ዙር ድማ ነይሩ። ኤርትራውያን ከዋኽብቲ ኣብ ቀዳማይ መድረክ ጂሮ-ኢጣልያ ኣማኒኤል ገብረእግዛብሄር፡ ኣብዚ 1ይ መድረኽ ብዘርኣዮ ተኣምር ብቕዓት ብኣዳለውትን፡ተንተንትን ጂሮ፡ ሕልፊ ኩሎም ተቐዳደምቲ ደሚቑ ውዒሉ። ኣብ ሓፈሻዊ ከኣ መበል 62 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ። ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብዚ ታሪኻውን ዓቢይን ውድድር ን2ይ ግዚኡ ዝወዳደር ዘሎ ሄኖክ ብሉጽ ብቕዓት ብምንጽብራቕ መበል 43 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ። ቢንያም-ግርማይ መበል 79 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ። 2ይ መድረክ ጂሮ ኢታኢ፣ሎሚ ሰንበት ብ161ኪ. ሜትር ርሕቀት ዝሽፍን ዉድድር ክቕጽል እዩ።

 ላሊጋ – ስፓኛ

ግጥማት ላሊጋ-ስፓኛ፡ትማሊ ቀዳም ክቅጽል ከሎ፣ኣብ ልዕሊ ክለብ ካዲዝ 3-0 ዝተዓወተት ሪያል-ማድሪድ ሻምፒዩን ላሊጋ ስፓኛ ምዃና ኣረጋጊጻ። 3ተ ሸቶታት ማድሪድ፡ድያዝ፣ ቤሊንግሃምን ጀስሉን እዩም ኣመዝጊቦመን። ናብ ጂሮና ኣምሪሓ ምስ ክለብ ጂሮና ዝገጠመት ባርሴሎና 4-2 ተሳዒራ ብምምላሳ፣ማድሪድ ተዓዋቲት ኮይና።ሸቶታት ጂሮና 2ተ ፖርቱ፣ሓደ ሓደ ከኣ ዲቮባክን ጉቴረዝን ከመዝግብወን ከለዉ፣ሸቶታት ባርሴሎና ሉዋንዶዉስኪን ክሪስተንሰን ኣመዝጊቦመን። ባርሴሎና 2ይ ደረጃ ንጂሮና የሕሊፋ ሂባታ። ሎሚ ዝካየዱ ግጥማት ላሊ-ጋ ስፓኛ፦ ኦሳሱና ምስ ሪያል-ቤቲስ፥ ሰቪላ ምስ ግራናዳ፥ ሴልታቪጎ ምስ ቪላርያል ይርከብዎም።

ክለብ ኣርሰናል

ኣርሰናል ብሸቶታት ሳካ፡ብፍጹም ቅላዕ፣ ትሮሳርድን ዲክላን ራይስን ብጸወታ ተሓጊዛ ዘመዝገብወን ሸቶታት 3-0 አብ ልዕሊ ቦርንማዉዝ ተዓዊታ ።ኣርሰናል ነጥባ ናብ 83 ኣደይባቶ። ኒዉካስትል-ዩናይትድ፡ ኣብ ልዕሊ በርንለይ 4-1 ተዓዊታ።እታ ሓንቲ ሸቶ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ከመዝግባ ከሎ፡ዊልሰን ሓንቲ ሸቶ፣እተን ዝተረፋ ክልተ ሸቶታት ብሩኖ ጉማሬሽን ሎንግስታፍን ኣመዝጊቦመን፣እታ እንኮ ሸቶ በርንለይ ኦሸ ኣመዝጊብዋ። ኖቲንግሃም-ፎረስት፡ኣብ ልዕሊ ሸፊልድ-ዩናይትድ 3-1 ተዓዊታ፣ብሬንትፎርድ ምስ ፋልሃም ማዕረ 0-0 ተፈላሊየን። ግጥማት ፕሪሚየር-ሊግ፣መበል 36 ሰሙን፣ሎሚ ሰንበት ብ3 ወሰንቲ ግጥማት ክቅጽል እዩ። ሊቨርፑል ምስ ቶተንሃም ቸልሲ ምስ ዌስትሃም-ዩናይትድ ብራይተን ምስ ኣስቶንቪላ ሓያል ግጥም ከካይዳ ኢየን።

ክለብ ኣርሰናል፡ ኣብ ቀጻሊ ሰሙን ኣንጻር ክለብ ማንቸስተር-ዩናይትድ ዘለዋ ግጥም ክኸብዳ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣርሰናል ኣብ መበል 37 ሰሙን ምስ ማንቸስተር-ዩናይትድ ተካይዶ ግጥም፡ኣብ ኦልትራፎርድ ሜዳ ማንቸስተር- ዩናይትድ ምዃኑ’ዩ። ኣርሰናል ኣብዚ ቀረባ አብ ልዕሊ ዩናይትድ ዝሓሸ ዉጽኢት እኳ እንተመዝገበት፣ ኣብ ዝሓለፈ 10 ግጥማት ኣርሰናል ኣብ ኦልትራፎርድ ዘካየደቶ ግጥም 2ተ ጊዜ እያ ተዓዊታ። ንመወዳእታ ጊዜ ኣርሰናል ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ኣብ ኦልትራፎርድ ዝተዓወተት ኣብ ዓመተ 2020 ምንባሩ ይዝከር።

ዲክላን ራይስ

ኢንግሊዛዊ ተጻዋታይ ማእከል ሜዳ ኣርሰናል፣ዲክላን ራይስ ኣርሰናል ኣብ ልዕሊ ቦርን-ማዉዝ 3-0 ኣብ ዝተዓወተትሉ፣ሓንቲ ሸቶ ከመዝግብ ከሎ፣ሓንቲ ከኣ ንሸቶ ትኸዉን ኩዕሶ ኣቐቢሉ፣ ናይቲ ጸወታ ኮኾብ ተባሂሉ። ዲክላን ራይስ ኣብዚ ዓመት፣7 ሸቶታት ከመዝግብ ከሎ፣8 ከኣ ንሸቶ ዝዀና ኲዕሶ ኣቐቢሉ።

ቶማስ ፓርቴይ

ክለብ ባርሴሎና፣ ንጋናዊ ኣከፋፋሊ ክለብ ኣርሰናል፣ቶማስ ፓርቴይ፣ኣብ ክረምቲ ንምስግጋር ድልየት ከምዘለዋ ሓቢራ።ፓርቴይ ወዲ 30 ዓመት ዉሕሉል ኣከፋፋሊ ኢዩ።

ቻምፒዬን-ሺፕ

ክለባት ሌሲስተር-ሲቲን ኢፕስዊች-ታዉን፣ናብ ፕሪምየር -ሊግ ቀደማይን ካልአይን ኮይነን ዝሓለፋ ክለባት ኢየን። ናብ ፕሪምየር-ሊግ፣3ይቲ ኮይና ትሓልፍ ንምፍላይ፣4 ክለባት ኣብ ኣዉዲቕካ ምሕላፍ (Play-offs)ክሳተፋ እየን። ክለባት ሊድስ_ዩናይትድ፣ሳዉስ_ሃምፕተን፣ዌስት-ብሮምን ኖርዊችን ምዃነን ተፈሊጡ።

ማርኮ ሪዩስ (ቦርሽያ -ዶርትሙንድ)

ጀርመናዊ ተጻዋታይ ክለብ ቦርሽያ-ዶርትሙንድ፣ማርኮ ሪዩስ ድሕሪ 12 ዓመታት፡ንዝፈትዋ ክለቡ ክገድፋ ምዃኑ ብዕሊ ኣፍሊጡ።ማርኮ ሪዩስ ብቪድዩ ዝተሓገዘ መልእኽቲ ብምፍናው ንደገፍቲ ዶርት-ሙንድ ኣብ ዘመሓላለሉሊ ጊዜ ስምዒቱ ንምግላጽ ከም ዝተጸገመ ተገሊጹ። ዳርጋ ፍርቂ ናይ ዕድመይ ዝተጻወትኩላ ክለብ ክገድፋ ምዉሳነይ ይኸብደኒ እዩ፣ እንተዀነ ግና ሕጅ እዩ እቲ ጊዜ ክብል መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ኣብ ዶርትሙን ተወሊዱ ዝዓበየ ሪዩስ፣ካብ ክለብ ቦርሽያ-ሞንቸግላድባ ናብ ቦርሽያ-ዶርትመንድ ካብ ዓመተ 2012 ከም ዝተሰጋገረ ይዝከር።ኣብ 12 ዓመታት፣424 ግጥማት ኣካይዱ ፣168 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፣ 128 ንሸቶታት ዝዀና ኩዓሳሱ ኣቐቢሉ። ኣብ ዝሓለፈ 2-3 ዓመታት ብሰንኪ ተደጋጋሚ መስበርቲ ንክለቡ ከም’ቲ ዝድለ ኣገልግሎት ክህብ ኣይከአለን።
ትማሊ ትጽቢት ተጌርሉ ዝነበረ ግጥም፡ማንቸስተር-ሲቲ ምስ ዎልቭስ፡ኣብ ኢትሓድ ዘካይድኦ ግጥም፣ማንቸ_ሲቲ ብቐሊሉ 5-1 ተዓዊታ፣ ኤርሊንግ-ሃላንድ እተን 4 ሸቶታት ከመዝግበን ከሎ፣እታ 5ይቲ ሸቶ አልቫሬዝ ኣመዝጊብዋ፣እታ እንኮ ሸቶ ዎልቭስ ቻን ሁዋንግ ኣመዝጊብዋ።ሲቲ ሓደ ተመዓራራይ ጸወታ ምስ ፋልሀም እናተረፋ ነጥባ ናብ 82 ክብ ኣቢላ ወጺኣ።