ብቐዳም 6 ሓምለ 2024፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብምእታው ንብረት ስደተኛታት ከም ዝዘረፉን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ሃስያ ከም ዘውረዱን ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዳባት ሓቢሮም።
ብመሰረት ካብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝተረኽበ ሓበሬታ፣ እቶም ዕጡቓት ብዘይካ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘካየድዎ ዝምታን ራስያን፣ በቲ ብሳንጃን ስሕለትን ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 13 ኤርትራውያን ከም ዝቖሰሉ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብቶም ኣካላዊ መጥቃዕቲ ዝወረዶም ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም 8 ብኸቢድ ስለ ዝተሃስዩ ኣብ ማዕከል ጥዕና ተዓቚቦም ክትትል ይግበረሎም ከም ዘሎ ክሕበር ከሎ፣ ድሕር’ቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ፣ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዖም ከም ዝተዘራረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣመሓዳሪ ናይቲ ከባቢ ኣቐዲሙ ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብወገንና ክንገብሮ ንኽእል ዝኾነ ፍታሕ ስለ ዘየለ፡ ገዛእ-ርእስኹም ባዕልኹም ሓልው ኢልዎም ከም ዝነበረ ትካል ኤሪ-ሳት ዘዘራረቦም ስደተኛታት ገሊጾም።
እቶም ስደተኛታት “ክልል ኣምሓራ ንህይወትና ውሕስነት ስለ ዘይብሉ፥ ናብ ካልእ ዝሓሸ ቦታ ውሰዱና” ኢሎም ብተደጋጋሚ ክጽውዑ እኳ እንተጸንሑ፡ ዛጊት ዝኾነ ፍታሕ ከም ዘይረኸቡ እዮም ዝገልጹ።



