ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከበሳታት ድማ ጽቡቕ ክራማት ይሃርም ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ትማሊ ቀዳም ኣጋ-ንግሆ ዝዘነበ ዝምስገን መጠን ዝናብ ከም ዝነበረን ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ሓዊሱ ዝዘንብ ዘሎ ዝናብ ኣብ ገለ ገለ ዓድታት መጠናዊ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ንብረት የኸትል ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ’ውን ጽቡቕ ክራማት ከም ዘሎ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታትና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝዘነበ ዝናብ ሕይል ዝበለ ምንባሩ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ንብረት መጠናዊ ዕንወት ከም ዝስዓበን ምትሕልላፍ መኻይን ኣጸጊሙ ከም ዝተርኣየን ካብታ ከተማ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ትማሊ ሰንበት ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ጽቡቕ ዝበሃል ብርቱዕ ዝናብ ምዝናቡ ካብታ ከተማ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከረድእ እንከሎ፣ ብዛዕባ ኣብ ሰብ ዝኾነ ዓይነት ሓደጋ ምዋራዱ ግና ዛጊት ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።

ይኹን እምበር ኣብ ገለ ገለ ገዛውቲ ውሑጅ ንተሽከርከቲ ምሕላፍ ከልኪሉ ከም ዝተርኣየ ምንጭታት ገሊጾም።