
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ሓሙስ 26 ሕዳር 2026፡ ብምኽንያት በዓል ምስጋና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚኒሶታ ንዝነብሩ ማሕበረሰብ ሶማልያ ብምንቃፍ፡ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ዝቕበሉ ብቕጽበት ክስጎጉ ከም ዝጸወዐ፡ ሎሚ 27 ሕዳር፡ዝወጸ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ቲ.ኣር.ቲ ኣፍሪቃ ይሕብር።
ትራምፕ ኣብ መልእኽቱ፡ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ከይተቐበሉ ብስራሕ ንዝመሓደሩ ክልተ ሚእታዊት ዝኾኑ ሶማልያውያን ጥራይ ከምዘመስግን ብምግላጽ፡ ምስ ምትላል ገንዘብ ሓገዝ ብዝተተሓሓዘ፡ ነታ ክፍለ-ግዝኣት ንምድሓን፡እቶም ዝተረፉ ክስጎጉ ኣለዎም ምባሉ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ከምኡ’ውን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2026 ብወግዒ ዘብቀዐ ግዜያዊ ሓለዋ ዑቕባ ሶማልያውያን፡ ከምዘቋረጾ ኣዘኻኺሩ።
ይኹን እምበር፡ ኣመሓዳሪ ክፍለ-ግዝኣት ሚኒሶታ ቲም ዋልዝን መራሕቲ እቲ ማሕበረሰብን ነቲ ዘረባ ብምቅዋም፡ ትራምፕ ንፖለቲካዊ ኣቓልቦ ክብል፡ ንሓደ ምሉእ ማሕበረሰብ ዒላማ ይገብር ምህላዉ ገሊጾም።
ብመሰረት ማዕከን መረዳእታ ስነ-ህዝቢ ሚኒሶታ’ውን፡ ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብ’ቶም ኣብታ ክፍለ-ግዝኣት ዝነብሩ ሶማልያውያን ሕጋዊ ዜግነት ኣመሪካ ዘለዎም ክኾኑ ከለዉ፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ዝኾኑ ድማ ብስራሕ ዝመሓደሩ’ዮም።




