Wednesday, April 29, 2026
spot_img
Home Uncategorized ዜና ዕረፍቲ

ዜና ዕረፍቲ

                                     

ወ/ሮ በኺታ እድሪስ በዓልቲ ቤቱ ንጅግና ተጋዳላይ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።
ወ/ሮ በኺታ፡ከም ዛብሎን ጸኒዓ ንብዙሓት ዘጽንዐት፡ኣደ ምንባራ ፈለጥታ ዝህብዎ ሓበሬታ የመልክት።
ወዲ ዓሊ፡ብዕለት 21 ጥሪ 2013፥ቅዋም ኤርትራ ክትግበር፥እሱራት ሕልና ክፍትሑ፡ኣብ ኤርትራ ስርዓታዊ ዝዀነ ለውጢ ክትግበር ተጋደልቲ መሪሑ ናብ ፎርቶ ብምኻድ ደወል ተስፋ ለውጢ ዝሃበ ሓርበኛ እዩ።
ኣብቲ ንሱ ዝገበሮ ስርሒት ቅያ ድማ ታንክን ተጋደልትን መሪሑ፡ኣብ ፎርቶ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና፥ከይዱ ንህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ለውጢ ከም ዘበሰረ ታሪኽ ትማሊ ምዃኑ ብዙሓት ዝዝክርዎ ፍጻመ ምዃኑ ርእይቶታት ኤርትራውያን ይሕብር።
ወ/ሮ በኺታ፡ድሕሪ መስዋእቲ በዓል ቤታ፡ ጅግና ወዲ ዓሊ፡ ኣብ ከረን ጸቕጢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከቢዱዋ ናብ ስደት ከተምርሕ ከም ዝተቀሰበት ፈለጥታ ይገልጹ።
ንሳ፡ኣብ ፈለማ ናብ ሱዳን ምስ ደቃ ኣትያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ስለያ ህግደፍ ስለ ዘሸገርዎ ብምትሕባር ገለ -ገለ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ክትመጽእ ከም ዝተገብረ እቶም ዝተሓባበርዋ ሰባት ዝህብዎ ርእይቶ የረድእ።
ካብ ኢትዮጵያ፡ ድማ ምስ ንክልተ ደቃ ናብ ኖርወይ ብምኻድ ድማ ኣብኡ ክትነብር ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 14 ለካቲት ብድኻም እዛ ዓለም ዓሪፋ።
ስነ- ስርዓት ቀብራ ጽባሕ ረቡዕ 18 ለካቲት ኣብ ኖርወይ፡ኣብ Sarpsborg ክፍጸም ምዃኑ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይሕብር።
ነቶም ንተበግሶ ንፋስ ለውጢ ዝወሰዱ፡ወዲ ዓሊን ብጾቱን ኰነ
ንጽንዓት በዓልቲ ቤት ጅግና ወዲ ዓሊ ወ/ሮ በኺታ እድሪስ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ኣፍልጦን ክህቦም ከም ዝግባእ ብዙሓት ዝርዕምዎ ሃገራዊ ዉራይ ምዃኑ ገለ-ገለ ወሃብቲ ርእይቶ የተሓሳስቡ።
ንነፍስሄር ወ/ሮ በኺታ መንግስተ ሰማያት የዋርሳ ፥ንደቁ፥መላእ ቤተሰብን መቕርብን ድማ ጽንዓት ይሃብ ክንብል ንፈቱ።