ኣብ ገማግም ጅቡቲ ጀልባ ብምግምጣላ ብውሕዱ 109 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ገማግም ጅቡቲ ሓንቲ ጀልባ ብምግምጣላ ብውሕዱ 109 ሰባት ክሞቱ ከሎዉ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ድማ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ሎሚ 11 ጥቅምቲ 2026 ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ የመልክት።

እታ ጃልባ 300 ሰባት ሒዛ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ኣብ ትጓዓዘሉ እውን ብምግምጣላ እቶም 109 ክሞቱ ከሎዉ፡ 80 ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝተገልጹ ድማ ብመስርሕ ህይወት ኣድሕን ክድሕኑ ምኽኣሎም ንትካል ዓለምለኻዊ ጉዳይ ስድተኛታት ብምውካስ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ወሲኹ ይሕብር።

gallery/image_20261011_164752.webp