154 foreign nationals in Malta’s detention centres
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እትርከብ ንእሽቶ ሃገረ ኤውሮጳ ዝኾነት ማልታ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር 154 ዜጋታት ወጻኢ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ተኣሲሮም ምህላዎም ሰብ መዚ ከም ዘቃልዑ ማዕከን ዜና ዶቼ ቬለ፡ ብዕለት 10 ጥቅምቲ ጸብጺቡ።
ካብ’ቶም ተታሒዞም ዘለዉ ስደተኛታት፡ ባንግላድሽ ብ60 ዜጋታት ዝለዓለ ቁጽሪ እሱራት ዘለዋ ሃገር ኮይና ክትምዝገብ ከላ፡ ሶርያ ብ17፣ ናይጀርያ ድማ ብ11 ዜጋታት ይስዕባ ምህላወን ተገሊጹ።
11 Nigerians among 154 foreign nationals in Malta’s detention centres
እቲ ጸብጻብ ከም ዘነጸሮ፡ ሊብያ ዓሰርተ እሱራት ክህልውዋ ከለዉ ህንዲ ድማ ሸሞንተ ኣለውዋ።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ኤርትራ 5፡ ሶማልያን ጋምብያን ነፍሲ ወከፈን 4፡ ኣልጀርያ፥ ሞሮኮ፥ ጋናን ማሊን ድማ ነፍሲ ወከፈን 3 ዜጋታት ተኣሲሮም ይርከቡ።
ብተወሳኺ ቦትስዋና፡ ሱዳንን ካሜሩንን ነፍሲ ወከፈን 2 እሱራት ክህልውወን ከሎ፡ ካብ ኡጋንዳ፥ ሰኔጋል፥ ኢትዮጵያን ኮንጎን ዝመጹ ዜጋታት’ውን ኣብተን ማእከላት ከም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።
ማልታ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ክትከዉን ከላ፡ ኣብ መንጎ ሰሜን ኣፍሪቃን ደቡብ ኤውሮጳን ትርከብ ብምዃና፡ ንመስመር ማእከላይ ባሕሪ ተጠቒሞም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ንዝፍትኑ ስደተኛታት ከም ሓደ ኣገዳሲ መዕረፍን መተሓላለፍን ማእከል ኮይና ተገልግል ከም ዘላ ጸብጻባት የመልክቱ።