Prime Minister Abiy Ahmed and Israeli Prime Minister Benjamin Netanyahu
Prime Minister Abiy Ahmed and Israeli Prime Minister Benjamin Netanyahu

ዓቢይ ኣሕመድን ኔታንያሁን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዘራሪቦም

ፖለቲካውን ጸጥታውን ወጥሪ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዓቢይ ኣሕመድ ምስ ኔታንያሁ ብተሌፎን ከም ዝተዘራረቡ ኣማስዩ ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ንሰማይ ገጹ ኣብ ዝዓረገሉ ህሞት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ብተሌፎን ምዝርራቦም ምስ ህልው ኲነታት እዚ ከባቢ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን ዞባዊ ጉዳያትን ከም ዝተዘተየሎም ዓቢይ ኣሕመድ ጠቂሱ።

እዚ ዝርርብ ተሌፎን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ምስ መዘንኡ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ጊዴዖን ሳር፡ ብ6 ጥቅምቲ 2026፡ ኣብ ዘካየድዎ ተመሳሳሊ ዝርርብ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ዝተገብረ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

እስራኤል ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንጻር ህወሓትን ሻዕብያን ወትሃደራውያን ስለያውን ሓገዛት ክትገብር ምጽንሓ ተንተንቲ ይገልጹ።

ስርዓት ህግደፍ፡ እስራኤልን ኢማራት ዓረብን ንስርዓት ብልጽግና ዘይተኣደነ ሓገዛት ይገብራሉ ምህላወንን ኣሳሳዪ እተን መንግስታት ምዃኑ ክገልጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

https://web.facebook.com/photo?fbid=1740587878070034&set=a.715464567249042