General-Tadesse-werede
ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ከም ዝተፈትሐ ተገሊጹ
ፕረዚንደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናንት ጀነራል ታደስ ወረደ ሎሚ ሰኑይ ከም ዝተፈትሐ፡ ሓይሊ ሰላም ትግራይ ዝተብሃለ ጉጅለ ሎሚ 12 ጥቅምቲ 2026 ዝዘርግሖ ሓበሬታ የመልክት።
ንሌ/ት ጀነራል ታደሰ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብሕወሓት ተዓፊኖም ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣርባዕተ መሪሕነት እታ ክልል ዝነበሩ’ውን ሎሚ መዓልቲ ተፈቲሖም ከም ዘሎዉ ይጠቅስ።
እቶም እሱራት ንክፍታሑ ሓይልታት ምክልኻልን ጉጅለ ሓይሊ ሰላም ትግራይን ዝገበርዎ እጃም ዓብዩ ምዃኖም ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት መክልኻል እታ ሃገር ከም ዘሎዉ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ካብ’ቶም ምስ ሌ/ት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ዝርከቡ ድማ
1. ኢሳይያስ ታደሰ
2. ተወልደ ዕምበብ
3. ነጋሽ (ሸኾርተት)
4. ኮ/ል ገብረእግዚአብሔር ምዃኖም የረድእ።

ነቶም ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ዝነበሩ ህወሓት ስም ስለያን ክሕደት ሃገርን ብዝብል ኣሲሮም ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።
ናብ ሻዕብያ ኣሕሊፎም ሂቦሞም ዝብል ፕሮፓጋንዳዊ ጽሑፋት ክቃላሕ ምጽንሑ ዝዝከር’ዩ።
እንተዀነ፡ ብዛዕባ እዞም ተፈቲሖም ዝተብሃሉ ሰበስልጣን ነበር፡ ካብ ኣባላት ቤተሰቦምን ካብ ወገን ህወሓት ክሳዕ ሕጂ ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።