ስዑዲ ዓረብ፡ ኣንጻር ሑቲ ኣብ ዝግበር ውግእ ንክትጽምበር ብእስራኤል ንዝቐረበላ ዕድመ ነጺጋ
ልኡል ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ሃገሩ ኣንጻር ምንቅስቓስ ሑቲ የመን ኣብ ዝግበር ወተሃደራዊ ስርሒታት ንክትጽምበር ብእስራኤል ንዝቐረበላ እማመ ከም ዝነጸጎ፡ ኤጀንሲ ኣናዶሉ ንጸብጻብ ጋዜጣ ሃረትዝ ብምጥቃስ ሓቢራ።
Anadolu
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ወላ’ኳ እስራኤል ብመንገዲ ኣመሪካ ኣቢላ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክትጽምበር እንተሓተተት፤ ልኡል ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ግና፡ ካብ ህዝቢ ስዑዲ ዓረብ ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ከይወሃቦ ብምስጋእ፡ ሓገዝ እስራኤል ክቕበል ፍቓደኛ ክኸውን ኣይከኣለን።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝፈልጡ ምንጭታት፡ እቲ ብእስራኤል ዝቐረበ ጻውዒት ወተሃደራዊ ምትሕብባር እታ ሃገር ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዝምድና ከሐይልን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ መጻኢ ንዝግበር ስምምዕ መንገዲ ንምኽፋት ክሕግዝን ተስፋ ከምዝነበሮ ይሕብሩ።
ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ወግዓዊ ርእይቶ ኣይሃቡን።
እዚ ጸብጻባት’ዚ፡ ሑቲን ስዑዲ ዓረብን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን’ዩ ዝቐርብ ዘሎ።
ግጭት የመን፡ ኣብ 2014 ሑቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓን ካልእ ከባቢታትን ምስ ሓዙ ከምዝጀመረ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ መጋቢት 2015፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ነቲ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን ንምድጋፍ ጣልቃ ከም ዝኣተወ ይግለጽ።
“ዓሰብ ዋንነት ኤርትራ’ዩ፥ ኢትዮጵያ ምስ ዓሰብ ዘተሓሕዝ ነገር የብላን” ዶ/ር ጸጋዬ ኣራርሳ
ዓቢይ ኣሕመድን ኔታንያሁን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዘራሪቦም






