Saudi airport
Saudi airport
ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ መጥቃዕቲ ሚሳይልን ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ተፈጺሙ
ዕጡቓት ሑቲ፡ ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ሪያድን፡ ከተማ ካሚስ ሙሻይትን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ፡ ብ12 ጥቅምቲ ዝተዘረገሐ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ይሕብር።
እዚ ብሚሳይላትን ዕስለ ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ከም ዘውረደ ተፈሊጡ።
ብመሰረት ኣፈኛ እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት፡ ሓደ ባሊስቲክ ሚሳይል ናብ ሪያድ፡ ክልተ ድማ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ናብ ዝርከብ ካሚስ ሙሻይት ተተኲሱ’ዩ። ሓይልታት ምክልኻል ስዑዲ፡ ነቲ ናብ ሪያድ ዝገዓዘ ሚሳይል ከም ዘፍሸልዎ’ኳ እንተገልጹ፡ እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ግን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘስዐበ ተሓቢሩ።
Saudi airport passenger terminal is struck again, a day after 12 were  killed : NPR
ኣብቲ ብሰንበት፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካሊድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 13 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።
ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ጥራይ ብሰንኪ እዚ መጥቃዕቲ ህይወት 14 ሰባት ምሕላፉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ነቲ ዝበጽሐ ዕንወት ስዒቡ እቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ክሳዕ ዝመጽእ ቀዳም ዕጹው ኮይኑ ከም ዝጸንሕን ኩሉ በረራታት ከም ዝተሰረዘን ኣዊጆም ኣለዉ።
ኣፈኛ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሑቲ ያህያ ሳሪ ብወገኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንመዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካሊድን፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከርን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ቅዱሳን ከተማታት መካን መዲናን ወጻኢ፡ ኣህጉራዊ መገዲ ኣየራትን ተጓዓዝትን ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝገብርዎ በረራታት ህጹጽ መዕረፊ ክገብሩሉን ከቋርጹን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ሑቲ፡ መጀመርያ ብዕስለ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ፡ ነቲ ስርዓተ-ምክልኻል ኣየር ስዑዲ ብምውጣርን ብምትላልን፡ ድሕሪኡ ኣንፈቶም ክቕይሩ ዝኽእሉ ዘበናዊ ባሊስቲክ ሚሳይላት ብምጥቃም ነቲ መሳለጥያታት ከም ዝሃረምዎ ተገሊጹ።
ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ሰበ-ስልጣን ከም ዝሓበርዎ፡ ስዑዲ ዓረብ ንምንታይ እቲ ናይ መከላኸሊ ስርዓታ ነቲ መጥቃዕቲ ክምክቶ ከም ዘይከኣለ ህጹጽ መርመራ ተካይድ ኣላ።
እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ምዕባለ ምስቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ እስራኤልን ኢራንን ዘሎ ዞባዊ ምስሕሓብ ተተሓሒዙ፡ ንመላእ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዝገደደ ስግኣት የውድቖ ከም ዘሎ ተንተንቲ የጠንቅቑ።