ብምኽንያት ህልቂት ላምፐዱዛ 03-ጥቅምቲ፡ ብሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) ዝተዳለወ መግለጺ

ብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ልዕሊ 365 ወገናትና ዘጋጠመ ዘሕዝን ህልቂት፡ እኖሆ መበል 13 ዓመቱ ደፊኑ። ነዛ ናይ ህልቂት ዕለት ክንዝክር እንከሎና፡ ኣብ ኣእምሮ ህዝብታትና ተኸዚኖም ዘለዉ መረርቲ ናይ ስቓይ ስምዒታትን፡ ናብ ውሽጢ ሰብነት ስድራታቶም ፈተውቶምን ብቐጻሊ ዝዝዕግ ንብዓት ቅጅል ይብለና።
ኣብ’ዛ ጸልማት ናይ ቅዝፈት ዕለት’ዚኣ፡ ልዕሊ 365፡ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝሃለቑ ዝዝከር እዩ። ካብ ሞንጎኦም፡ ወትሩ ካብ ኣእሙሮና ዘይፎሓቑ ድማ ኣሎዉ። ነፍሲሄር ወ/ሮ ራሄል ምስ ሰለስተ ዕሸላት ደቓ፡ ኣብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ተቐዚፋ ምትራፋ፡ ብተወሳኺ፡ ሓንቲ ኣደ፡ ገና ዕትብታ ካብኣ ምስ ዘይተፈለየ ህጻን፡ ግዳይ ናይ’ዚ ባሕሪ’ዚ ኮይና ምሕላፋ ክንዝክር እንከሎና ኣዝዩ መሪር’ዩ። ኮታስ ኣብ’ዛ ዕለት’ዚኣ፡ ንመጻኢት ኤርትራ ተስፋ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ፡ ግን ከኣ ብሰንኪ ጨካን ስርዓተ-ኣገዛዝኣ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ማሓዉሩን፡ ኣብ ሃገሮም ብሰላም ናይ ምንባርን ሰሪሕካ ናይ ምልዋጥን ተስፈኦም ዝጸልመቶም፡ ቆላታትን ምድረበዳ ሰሃራን ጥሒሶም፡ ንማእከላይ ባሕሪ ክሳገሩ፡ ኣብ’ዛ ጸልማት ዕለት ዝተቐዘፉ ወገናትና፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ምዃኖም፡ ክብደት ናይ’ቲ ሃገራውን ህዝባውን ኪሳራ፡ ኣዝዩ ዓቢይን ወትሩ ዘይርሳዕን ይገብሮ።

AIM] Asmarino Independent Media - መልቀስ ንዝኽሪ ላምባዱስ!!!!!!!!!

ናይ’ዚ ኣስካሕካሒ ህልቂት ቀንዲ ተሓታቲ፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ እዩ። ብኽልተ ወሰንቲ ምኽንያታት፦
1. እዞም ወገናት ብሰላም ተረጋጊኦም ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ዝነብሩሉ ዕድል ሎኲቱዎ ብምህላዉ እዩ።
2. ኣብ ዲያስፖራ ምስ ዝነብሩ ቤተ-ሰቦም ክራኸቡ ይኹን ክነብሩ ዝደልዩ ዜጋታትና፡ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ዝጓዓዙሉ ዕድል ብምዕጻዉ እዩ።
ሰይጣናዊ ባህርያትን ጭካነን ናይ’ዚ ስርዓት’ዚ ግን፡ ኣብ’ዚ ጥራሕ ደው ዝበለ ኣይኮነን፤ ሓዘን ስድራታትን ፈተውቶምን ከይድበስን ሓዘኖም ከይዓጽዉን፡ ንብዓቶም ንውሽጢ እናዋሓዘ ክነብር ገይሩ ኣሎ፤ ምኽንያቱ፡ ኣስከሬን ግዳያት ወገናትና ብኽብሪ ኣብ መሬት ዓዶም ዝዓርፈሉ ዕድል፡ ክሳብ ሎሚ ኣጊዱዎ ብምህላዉ እዩ። ስለዝኾነ’ውን ኣብ ሃገረ ጣልያን ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ምህላዎም፡ ወትሩ ዘየቕስን ኣረሜናዊ ውሳኔ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ’ዩ።
ብርግጽ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ይትረፍዶ ነዞም ብዘይ ፍቓዱ ካብ መጻወድያ ስርዓቱ ኣምሊጦም ዝተሰደዱ ወገናት፡ ዕድመ ንእስነቶም ሙሉእ ኣብ ጎድኑ ዝተቓለሱ ብጾቱ፡ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ፣ ግንባር፣ ዓበይቲ ካድራትን ኣዳለውቲ ብሕቲ ጋዜጣታት ፡ ብመስከረም 18-2001 ጸልማት ከደነ፡ ዓፊኑ ኣብ ዘይፍለጡ ጋህስታት ምስ ዳጎኖም፡ እኖሆ ብዘይሓታቲ 25 ዓመታት(ርብዒ ክፍለ ዘበን) ኣሕሊፎም ኣሎዉ። ንድሕሪት ምልስ እንተኢልና ድማ፡ ዝፈጸሞ ካልእ ጭካነ ንዝክር፤ ናይ ደመወዝ ሕቶኦም ብሰላማዊ መንገዲ ዘቕረቡ ተጋደልቲ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝተወሰደ ጨካን ስጉምቲ ወትሩ ኣይንርሰዖን። ካብኡ ኣዝዩ ዝኸፍአን፡ ርእሲ ህዝብታት ኤርትራ ዘድነነ ጭካነ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣካላቶም ሞባእ ሓርነት ዝገበሩ ጉዱኣት ኣካል ማይ ሓባር ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ቅንጸላን ናይ ማእሰርቲ ስጉምትን እዩ። ኮታስ፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ኣብ ሜዳ እንከሎ ይኹን፡ ብጉንቦት 1991 ፖሎቲካዊ ስልጣን ሃገር ብሒቱ ካብ ዝሕዝ ክሳብ ሎሚ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ዝፈጸሞም ገበናት ዘርዚርካ ዝውድኡ ኣይኮኑን።

ብሓደጋ ባርዕ ብጃምላ ዝሞቱ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ብሓባር ናይ ዝኽሪ ጸሎት አዕሪግና

ናይ’ቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ፡ ብሓደጋ ባርዕ ሓውን ብባሕርን ዝሃለቑ ዜጋታትና ፉሉይ ዝገብሮ፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ማሓዉራቱን፡ ከም ናይ ካልኦት ሃገራት ስደተኛታት ገይሮም ዕሽሽ ኢሎም ክሓልፉዎም ምፍታኖም ጥራሕ ኣይኮነን። እቲ ዘጋጠመ ቅዝፈት፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራውያን ምዃኑ ዓለም ብዓለማ ምስ ኣቃላሓቶ፡ ኣስከሬኖም ናብ ሃገሩ ኣትዩ፡ ሓመድ ድበ ከይለብስ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣጊዱዎ ኣሎ። ንምንታይ ግን ከም’ዚ ዝመሰለ ዓይኒ ዘውጸአ፡ ፍጹም ካብ ሰብኣውነት ዝረሓቐ ውሳነ ተበይኑ? እቶም ግዳያት ወገናትና፡ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ርሑቕ እናቋመቱ፡ ኣብ መንገዲ ዝተቖጽዩ፡ ኣይሰምዑ ኣይርእዩ፡ ጉኡዛት ኮይኖም’ዮም። ብባርዕ ተቓጺሎም ሓሙኽሽቲ ኮይኖም ኣብ ባሕሪ ዶ ይብተኑ፤ ዓሳ ባሕሪ ዶ ይውሕጦም፤ ኣብ ስደትዶ ይቕበሩ፤ ወይስ ናብ መሬት ዓዶም ተመሊሶም፡ ሓመድ ድበ ይለብሱ፡ ዝፈልጡዎ የብሎምን። ድሕሪ ሕልፈቶም ዘሎ ኩሉ ዓይነት ኣደራዕ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ስድራታቶምን ፈተውቶምን ድማ ብፍላይ እዩ ተጻዒኑ፤ እዚ ብይን’ዚ ንመላእ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዘሕዘነ’ዩ፤ እዚ ሰይጣናዊ ባህርያት’ዚ ዝተዓደለ፡ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሕፍኒ ኢዱ ጨቢጡ፡ ዘይንቡር ክገብር ዕድል ዝተዋሃቦ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ኮነ ኢሉ፡ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝብታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንስድራታቶም ድማ ብፍላይ፡ ሕልናዊ መቕጻዕቲ ብምብያን፡ ብደዎም፡ ብሓዘን ክኹርምዮምን፡ ወትሩ እናነብዑ ክነብሩ ዝዓለመ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ጨካን ውሳነ እዩ።
ላምፔዱሳ

እዚ ተግባር`ዚ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ናይ ርእሰ ፋሽሽት ኢሰያስን ስርዓቱትን ንብርሰት ህዝብታትናን ንልምሰት ማሕብረ ቁጠባዊ ሃገርናን ኮነ እሎም ብመደብ ዝተታሓሐዝዎ ምዃኖም ብጭብጢ ዘረጋግጸልና ሓቂ እዩ። ስለዚ ከኣ እቲ ቅኑዕ መፍትሒ ዝኸውን፡ ህዝብታትና ብንቕሓት ተቓሊሶም ንርእሰ ፋሽሽት ኢሰያስ መሓውራቱን ኣወጊዶም፡ ንዘላቒ ሰላም ንምምዝጋብ፡ ውሕልነትን ጥበብን ዝተመልኦ ቀጻሊ ዲሞክራስያዊ ተጋድሎ ከካይዱ ግድነት ዝኸውን።

ውድብና ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፡ ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ብባርዕ ሓውን ባሕርን ዝተቐዘፉ ወገናትና መንግስተ ሰማያት የርሶም፡ ንመላእ ህዝብታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንስድራታቶም ድማ ብፍላይ፡ ክጸጽናንዕ ንምነ። ነጻነት ልዑላውነትን ሃገርና ብቐዳምነት ብምዕቃብ፡ ዲሞክራስያዊ ዕላማታትና ንምዕዋት ኣብ ዝካየድ ተጋድሎ፡ ሰደግኤ ካብኡ ዝጥለብ እጃም ከምዘበርክት፡ ብምኽንያት’ዛ መራር ናይ ቅዝፈት ዕለት ደጊሙ የረጋግጽ።

ቅኑዕ መስመርን ሓፋሽን ሒዝና፡ ጽንኩራት መድረኻት ብምስጋር ክንዕወት ኢና!!
ሕድሪ ስዉኣትና ኣይነዕብርን!!
ዝኽርን ክብርን ንኹሎም ግዳያት ወገናትና!!
ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)
03-10-2026 ዓ.ም.’