Thursday, October 15, 2026
spot_img
Home Latest ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ምንቅስቓስ ተቃውሞ ንምእሳር ትእዛዝ ምውጽኣ ተገሊጹ

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ምንቅስቓስ ተቃውሞ ንምእሳር ትእዛዝ ምውጽኣ ተገሊጹ

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ምንቅስቓስ ተቃውሞ ንምእሳር ትእዛዝ ምውጽኣ ተገሊጹ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መራሒት ምንቅስቓስ ተቃውሞ “March and March” ጃሲንታ ንጎቤሴ-ዙማንን በዓል ቤታ ዞላኒ ዙማንን፡ ምስ ንጥፈታት እቲ ምንቅስቓስ ብዝተኣሳሰር ክእሰሩ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ንምእሳሮም ዝወጸ ተባሂሉ ዝቐረበ ትእዛዝ ክሳዕ ሕጂ ብናጻ ምንጪ ኣይተረጋገጸን።
በዓል ቤት መራሒት እቲ ምንቅስቓስ ዞላኒ ዙማ፡ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ኣብ ልዕሊኡን በዓልቲ ቤቱን ትእዛዝ ምእሳር ከም ዝወጸ ከም እተነግሮ ሓቢሩ።
“ምስ ንጥፈታት ምንቅስቓስ ተቃውሞ ‘March and March’ ብዝተኣሳሰረ፡ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ መራሒት እቲ ምንቅስቓስ ወይዘሮ ጃሲንታ ንጎቤሴ-ዙማን ትእዛዝ ምእሳር ከም ዝወጸ ሕጂ ተነጊሩኒ ኣሎ” ክብል ጽሒፉ።
እቲ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቁጽጽር ስደተኛታትን ኣተኣላልያ ኢሚግሬሽንን ክሕይል፡ ብሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ድማ ካብታ ሃገር ክስጎጉ ዝጽውዕ ወፍሪ ዘካይድ’ዩ።
ዞላኒ ዙማ፡ እቲ ዜና ብጉጅለ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ መስርሕ ምጽራይ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ደገፍቲ እቲ ምንቅስቓስ ብህድኣት ክጽበዩ ጸዊዑ።
ንሱ ብምውሳኽ፡ እቲ ትእዛዝ ምእሳር ምውጽኡ እንተተረጋጊጹ ድማ፡ ንሱን በዓልቲ ቤቱን ንፖሊስ ኢዶም ከም ዝህቡ ገሊጹ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጻር መጻእተኛታትን ስደተኛታትን ክካየድ ብዝጸንሐ ወፍፊ ይውጻኡልና ብዙሕ ክሳራን ሳዕቤንን ከም ዘምጽኣ ዝፍለጥ’ዩ።