President Lt. Gen. Tadesse Werede Archives - Dedebit Broadcasting  Corporation
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ቃለ-መሕትት፡ ብዛዕባ እቲ ብሓይልታት ህወሓት ተገይሩሉ ዝነበረ ማእሰርቲ 15 መዓልታትን ብኸመይ ከም ዘምለጠን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ ኣሎ።
ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ መቐለ ምስ ተወሰደ፡ ኣብ ከባቢታት ዓድዋ፡ ኣኽሱምን ራማን ንበይኑ ተፈልዩ ኣብ ሆቴላት ተዓጽዩ ከም ዝነበረን ምስ ስድርኡ ናይ ቴሌፎን ርክብ ከም ዝተኸልከለን ገሊጹ።
ናብ ዶብ ኤርትራ ከባቢ ራማ ተወሲዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ናብ ኤርትራ ንምስጋር ዝግበር ዝነበረ ፈተነታት ከም ዘፍሸሎ እውን ሓቢሩ ኣሎ።
ካብቲ ዝነበሮ ጽኑዕ ሓለዋ ክሃድም ዝኸኣለ፡ ብሓገዝ እቶም ኣብቲ ብህወሓት ዝምራሕ ከባብያዊ ምምሕዳር ወረዳ ራማ ዝነበሩ ኣባላትን ሰበ-ስልጣንን ምዃኑ ዘነጸረ ጀነራል ታደሰ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ናብ ዘለውሉ ተጸንቢሩ ኣብ ውሑስ ቦታ ከም ዝርከብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ብዛዕባ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኲነታት ማእሰርቱን ኣድሂቡ፡ ኣብ ህዝቢ ዓቢይ መዘራረቢ ኰይኑ ኣሎ።
ንሱ ንውድቀት ትግራይን ንምምክፍፋል ሓይልታት ትግራይን ቀንዲ ተሓታቲ ክኸውን ዘሎዎን ኣብ ፍርዲ ክቀርብ ዝግብኡ ቁጽሪ ሓደ’ዩ ክብሉ ምሁራትን ተንተንትን ይገልጹ።