
ሎሚ ረቡዕ 21 ጥቅምቲ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቐጠር ዝኾነት ዶሃ፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ስምምዕ ተፈሪሙ ኣሎ።
ቱርኪ፥ ፓኪስታን፥ ቐጠርን ኢንዶነዢያን ዓቕምታት ምክልኻል ንምዕባይን ሓባራዊ ፍርያት ኣጽዋር ንምስጓምን ዘኽእለን “ሰነድ ምርድዳእ በድር” ብወግዒ ከም ዝተፈራረማ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ይሕብር።
እዚ ሚኒስተር ምክልኻል ቱርኪ ዝተሓበረ ስምምዕ፡ እተን ኣርባዕተ ሃገራት ኣብ መንጎአን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምዕሟቕን ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪአን ብሓባር ንምስፋሕን ዘለወን ጽኑዕ ድሌት ዘርእይ’ዩ።
እቲ ስምምዕ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ወተሃደራዊ ፍርያት ዝግበር ሓባራዊ ስራሕን ምስግጋር ቴክኖሎጂን፡ ዓቢይ ቁጠባዊ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ‘ውን ተገሊጹ ኣሎ።
ብተወሳኺ እተን ሃገራት ኣብ ቴክኒካዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ ሓባራዊ ልምምዳትን ምርምርን ልምዓትን ብሓባር ክሰርሓ እየን።
እዚ ስምምዕ “በድር” ወይ “ምልእቲ ወርሒ” ተባሂሉ ዝተሰየመሉ ምኽንያት፡ እተን ኣርባዕተ ሃገራት ብዓቕምታተን ነንሕድሕደን ከም ዝደጋገፋ ንምምልኻት ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።