
ኣብ ዶብ ቻድን ሱዳንን ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሱዳን፡ ብዕለት 20 ጥቅምቲ፡ ኣብቲ ነቁጣ ካብ ሰሜን ዳርፉር ዝሃደሙ ኣሽሓት ሱዳናውያን ዘጽለልሉ ማእከን ስደተኛታት ባምና፡ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቢዩን ሓቢሩ።
በቲ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ብዙሓት ካልኦት ድማ ከም ዝቖሰሉ ተገሊጹ።
ገለ ካብቶም ቁሱላት ኣብ ከቢድ ኩነታት ስለ ዝርከቡ፡ ህጹጽ መጥባሕቲ ከም ዘድልዮም ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፍ ጉጅለ ሕክምና ሓቢሩ።
ኣብ ሰሜን ዳርፉር ዝነጥፍ ቤት ምኽሪ ህጹጽ ረድኤት ብወገኑ፡ ካብቶም ዝሞቱ ሓሙሽተ ሰባት ክልተ ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝነጥፉ ወለንተኛታት ምዃኖም ገሊጹ።
እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምሉእ ምቁራጽ መራኸቢታት፡ ንኩነታት ንምክትታልን ንቁሱላት ሰባት ህጹጽ ረድኤት ንምብጻሕን ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤትን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ስቓይ ህዝቢ የጋድድ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ መስመራት ረድኤት ክኽፈቱ ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እዚ መጥቃዕቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን መሻርኽቱን ብሓደ ወገን፡ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ድማ ብኻልእ ወገን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ፡ ካብ ጥቅምቲ 2025 ጀሚሩ፡ንከተማ ኤልፋሸር ሓዊሱ መብዛሕትኡ ክፋል ዞባ ዳርፉር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከም ዘእተወ ይግለጽ።