No photo description available.
ሎሚ ዓርቢ 23 ጥቅምቲ ሰዓት 6፡30 ናይ ንጉሆ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ዝተበገሰት ሰላም ኣውቶቡስ፡ ኣብ ጥቓ መእተዊ ኣዳማ ምስ ተሰሓቢት መኪና ብምግጫዋ፡ ህይወት ሰብ ዘጥፍኣ ከቢድ ሓደጋ ከምዘጋጠመ፡ ተሳፈርቲ ሓቢሮም።
እቶም ተሳፈርቲ ከም ዝሓበሩዎ፡ መራሒ ኣውቶቡስን ተሓጋጋዚኡን ዝርከብዎም ልዕሊ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ካልኦት ሓያሎ ድማ ቆሲሎም ኣለዉ። ብዝሒ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
እቶም ተሳፈርቲ ብተወሳኺ፡ መራሕቲ መካይን ብፍላይ ኣብ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ዘለዎ ጽርግያታት ፍጥነት ክቕንሱን ብጥንቃቐ ከሽከርክሩን ምዒዶም።

May be an image of car

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ብሰላም ባስ ዝግበር ጉዕዞ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ብሰንኪ ምጅማር ዳግማይ ኲናት ትግራይ ተቛሪጹ ‘ኳ እንተጸንሐ፡ ካብ 13 ጥቅምቲ ግና ናብ ኣገልግሎት ከም ዝተመልሰ ይፍለጥ።
ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ሰላም ትግራይን ንመቐለ ካብ ዝቆጻጸሩ ንደሓር፡ ጉዕዞ ሰላም ባስ ዳግማይ ብምጅማሩ፤ ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ግፋ ሃዲሞም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ናብ መቐለ ንመሳፈሪ 5,000 ብር እናኸፈሉ ክጓዓዙ ምቕናዮም ዝተፈላለዩ ተገልገልቲ ክገልጹ ምንጽሖም ጸብጻባት የመልክቱ።

May be an image of car