Monday, October 26, 2026
spot_img
Home ERISAT- Programs ሳልሳይ ጉባኤ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኤርትራውያን ሃገረ እስራኤል — ጨንፈር...

ሳልሳይ ጉባኤ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኤርትራውያን ሃገረ እስራኤል — ጨንፈር ባርዲስካስ / ራማትጋን፡ ብዕዉት ኣገባብ ተሰላሲሉ

ሳልሳይ ጉባኤ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኤርትራውያን ሃገረ እስራኤል — ጨንፈር ባርዲስካስ / ራማትጋን፡ ትማሊ ቀዳም ዕለት 24 ጥቅምቲ 2026፡ ብዕዉት ኣገባብ ከምዝተሰላሰለ ክፍሊ ሚድያ እቲ ግንባር ሓቢሩ።
ነቲ ካብ ዕለት 07 ጀሚሩ ክሳዕ 08 ነሓሰ 2026፥ ክካየድ ዝጸንሐ ዑዉት ሳልሳይ ሃገራዊ ጉባኤ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኤርትራውያን ሃገረ እስራኤል ስዒቡ፥ ኲለን ጨናፍር፡ ምድላዋተን ኣጻፊፈን ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ጉባኤታት ተጸሚደን ከምዝቐነያ ዝፍለጥ’ዩ።
እንሆ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሓያሎ ጨናፍር ንሓደ ዓመት ዝመርሕወን ሓደስቲ መራሕቲ ብምምራጽ ስርሐን ብወግዒ ጀሚረን ኣለዋ።
ትማሊ ቀዳም ድማ፡ እተን ተሪፈን ዝነበራ ናይ መወዳእታ ክልተ ጨናፍር ጉባኤአን ብምጽፋፍ፡ ነቲ መስርሕ ብዓወት ዛዚመናኦ ኣለዋ።
ካብዚኣተን ሓንቲ ዝኾነት፡ ብኲለንትናኣ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ወናም ጨንፈር ባርዲስካስ / ራማትጋን፡ ትማሊ ቀዳም ዑዉት 3ይ ጉባኤኣ ኣካይዳ።
እዚ ንሓደ ዓመት ሙሉእ ክመርሕ ዝጸንሐ ኣካል ብምስጋና ድሕሪ ምስናቱ፡ እቲ ጉባኤ 19 ኣባላት ዝሓቆፈ ሓድሽ መሪሕነት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ ናብ ስራሕ ኣእትዩ ኣሎ።
ነቲ ብድሙቕ ኣገባብ ዝተሰላሰለ ጉባኤ፡ ሰብ ሃብቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካብ ርሑቕን ቐረባን ዝመጹ ብዙሓት ኣጋይሽን ዝተሳተፉዎ ኮይኑ፡ ኣባላት እቲ ግንባር ዝኹና ጀጋኑ ኣዴታት ባህላውን ዘበናውን ብልዕን መስተን ከም ጥሕሎ፣ ስዋን ሜስን ዝኣመሰሉ ትሕዝቶታት ብምቕራብ ኣማዕሪገኖኦ ውዒለን።
እቲ ጨንፈር፡ ኩነታት መጻኢ ወለዶ ኣብ ምጥጣሕን ኮዕሶ ዝጻወቱ ህጻናት ኣብ ምፍራይን ልዑል ኣስተዋጽኦ ዘለዎም ኣባላት ዝሓቖፈ ብምዃኑ፤ ኩሎም ውላድ ዘለዎምን ዘይብሎምን ኣባላት ብማዕረ ክሳተፍሉ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ መሪሕነት ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኤርትራውያን ሃገረ እስራኤል፡ ዘለዎም ተመኽሮ ቃልሲን ቀጻሊ ራእይን ዘንጸባርቕ ኣገዳሲ ለበዋን ምሕጽንታን ኣመሓላሊፎም።
ምስዚ ብምትእስሳር፡ ካብ ኣባላት ንዝለዓል ዝኾነ ይኹን ሕቶን ርእይቶን ኣብ እዋኑ ክፈትሕዎ ምዃኖም እውን ቃል ኣትዮም።