“ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት ክውላዕ ይኽእል እዩ” ዝብል ስግኣት ኣብ ዝዓበየሉ ዘሎ እዋን፥ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብብዝሒ ናብ ስደት ይወጹ ከም ዘለዉ ምንጭታት ኤሪሳት ገሊጾም።
ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ኲናት ከይውላዕ ዓቢይ ስግኣት ሰፊኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቶም መንእሰያት ህይወቶም ንምድሓን ኣሽሓት ዶላራት እናኸፈሉ ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ከም ዘለዉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
ብዙሓት ካብቶም ዝሰገሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ህልው ኩነታት ንድሕሪት ናብ ኤርትራ ክምለሱ ኰነ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰግሩ ብዘይኽኣሎም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ተዓቚቦም ከም ዝርከቡ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ገሊጾም።
ቅድሚ ኲናት ትግራይ፡ ብደለልትን ብገለ ኣወሃሃደቲ ጽምዶን ኣቢሎም ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ክሰግሩ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ መንገዲ ውሑስን ከም ቀደሙን እኳ እንተዘይኰነ፡ ካብ ወገን ኤርትራ ዝመጹ መንእሰያት ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ከም ዘለዉ፡ ኤሪሳት ካብ’ቶም ዝሰገሩን ኣባላት ስድራቤቶምን ዝረኸበቶ ሓበሬታ የመልክት።