ኣብ ኣመሪካ፡ ሚነሶታ ሓደ ኤብሮ ኣሕመድ ዝተባህለ 27 ዓመት ዝዕድሚኡ መንእሰይ፡ ካብ ብዘይ መራሕ መኪና ትንቀሳቐስ ዝነበረት ኣውቶቡስ ቤት ትምህርቲ 18 ቆልዑ ብምድሓኑ ናእዳ ይርከብ።
ኣሕመድ፡ ሰኑይ 19 ጥቅምቲ፡ ኣብ ከተማ ሴንት ፖል ኣብ ጥቓ ሓደ ድኳን ኣብ ዝነበረሉ ህሞት፥ ሓንቲ ማዕጾኣ ክፉት ዝነበረ ኣውቶቡስ ቤት ትምህርቲ ብዘይ ዝዀነ ቁጽጽር ክትንቀሳቐስ ብቅልጡፍ ተዓዘበ።
እቲ መራሕ እታ ኣውቶቡስ ድማ ህጹጽ ጥዕናዊ ጸገም የጋጥሞ ከም ዝነበረ ተረዲኡ።
ብቕልጡፍ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣሕመድ፡ ናብታ ኣውቶቡስ ብናህሪ ጎይዩ ብምእታው፡ ብመጠቐሚ መዕገቲ ልጓም ኢድ (Parking Brake) በታ ኣውቶቡስ ከቆጻጸራ ከኣለ።
በቲ ዝገበሮ መስርሕ ምድሓን ድማ ኣብታ ኣውቶቡስ ዝነበሩ 18 ቆልዑ ካብ ሓደጋ ክድሕኑ ከኣሉ።
ኣብቲ ዘጋጠመ ቅጽበታዊ ፍጻመ ዝኾነ ይኹን መጉዳእቲ ከም ዘይተራእየ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
እቲ መራሕ ኣውቶቡስ ድማ ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነወ ተሓቢሩ።
እቲ ፍጻመ መስርሕ ምድሓን ብዓይኒ ካሜራ ናይ ድሕነት እቲ ከባቢ ተቐሪጹ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቦታት ድማ እቲ ቅልጡፍን ተባዕን ስጉምቱ ኣድናቖትን ናእዳን እናተጓናጸፈ ይርከብ ከም ዘሎ፡ ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ኤቢሲ ኒውስ (ABC News) ፣ ሲቢሲ ሚኒሶታ (CBS Minnesota) ፣ ከይስቲፒ (KSTP) ይሕብር።