ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣመልኪቱ ናጻ መርማሪ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት 26 ጥቅምቲ፡ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፣ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬናውያን ሰላማዊያን ሰባት ብምዕላም ከምኡውን መሰረተ-ልምዓታት ጸዓት ብምዕናው ገበናት ኵናትን ትፍጸም ኣላ ክብል ከሲሱ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝገለጾ፣ ሓይሊታት ሩስያ ንመሰረተ-ልምዓታት ጸዓት ዩክሬን ኮነ ኢሎም ብምጥቃዖም፥ ሚልዮናት ዩክሬናውያን ኣብ ከቢድ ዛሕልን ጸልማትን ክወድቁ ተገዲዶም እዮም።

ብሰንኪዚ ንጹሃት ሰባት ኣብ ገዛውቶምን ኣብ ሆስፒታላትን ሂወቶም ከም ዝሰኣኑ እቲ መርማሪ ኣካል ኣረጋጊጹ ክብል ማዕከን ዜና ሲ ኤን ኤን ይሕብር።

እቲ ጸብጻብ ነቲ ገበናት ብቐንዱ ሓላፍነት ዝወስዱ ፕረዚደንት ቭላዲሚር ፑቲን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ሰርጌይ ሾይጉ፣ ተተካኢኡ ኣንደሬ ቤሉሶቭ፣ ከምኡውን ሓለቓ ሓፈሻዊ ስታፍ ቫለሪ ጌራሲሞቭ ብምጥቃስ በቲ መርማሪ ኣካል ተኸሲሶም ኣለዉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሩስያ ካብ 29 ሃገራት ዜጋታት ብምትላል ናብ ሰራዊታ ብምጽምባራ ኣብ ተግባራት ንግዲ ዝውውር ደቂ ሰባት ከም ዝፈጸመት እቲ ጸብጻብ ኣቃሊዑ ኣሎ።