ሰራዊት ሱዳን፡ ርእሰ ከተማ ዞባ ደቡብ ዳርፉር ኣብ ዝኾነት ከተማ ኒያላ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሓደ ቤት መግቢ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓያሎ ወታደራዊ መኮንናት ወጻኢ ከም ዝቐተለ፡ 25 ጥምቅቲ ዝተዝርግሐ ጸብጻብ ማዕከን ዜና መርበብ ሓበሬታ ዳርፉር-24 ይሕብር።

እቲ መርበብ ሓበሬታ መሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ወጻእተኛታት ወታደራዊ መኮንናት፡ ብሰበ-ስልጣን ጸጥታን መኮንናትን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ተዓጂቦም ናብቲ ቤት መግቢ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን’ዩ ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ክኾኑ ክኢሎም።

እቲ ጸብጻብ፡ ሓንቲ ድሮን ቁርሲ ንምባላዕ ኣብ ዝኣተውሉ ህሞት ሚሳይል ብምትኳስ ኣብኡ ንዝጸንሑ ኩሎም ከም ዝቐተለት ይገልጽ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኒያላን ካልኦት ከተማታት ዳርፉርን ከቢድ ደብዳብ ኣየር ዘካየደ ኮይኑ፡ እዚ ዞባ ብብዝሒ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ዝርከብ’ዩ።

በቲ መጥቃዕቲ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ዝቐተሉ ክኾኑ ከለዉ፡ ወታደራዊ ኣጽዋር’ውን ምዕናዎም እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ብወታደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ እቲ ውሽጣዊ ኲናት ካብ ዝጅምር ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ንኮሎምቢያ፣ ኢማራት፣ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ምስ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ተሓባቢረን ብዝብል ብተደጋጋሚ ክኸስስ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።