ካብ ስዑዲ ዓረብ፣ ፓኪስታንን ቱርክን ዝተወከሉ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ውጥረት ንምህዳእን ዞባዊ ጸጥታ ንምዕቃብን ኣብ ቴህራን ከም ዝተራኸቡ፡ ሎሚ ጥቅምቲ 26 ዝተዘርግሐ ጸብጻብ
ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ይሕብር።

እቲ ርክብ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ንምግታእን፣ ኢራን ንምጥቃዕ ትሰርሕ ዘላ ኣመሪካ ካብ ተግባራ ክትቁጠብን ኣንፈት ስምምዕ ንምንዳይን ዝዓለመ’ዩ።

ተንተንቲ ግና እቶም ወከልቲ ስምምዕ መካ ዝኾኑ ኣባላት ፡ ነቲ ብኢራን ዝተሓንጸጸ ስትራተጂካዊ ሕሳብ ብቐሊሉ ንምቕያር ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ፡ እቲ ዘተ ትጽቢት ዝተገበረሉ ዓቢ ፍረ ከም ዘየምጽእ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለው።

ስምምዕ መካ ስዑዲ ዓረብ፣ቱርክን ፓኪስታንን ሓበራዊ ምክልኻል ዕላማ ዝገበረ ስሉስ ኪዳን ዝኣሰራሉ ውዕል ምዃኑ ይፍለጥ።