ሙስጠፋ ሌስዳይ

ንኤርትራ ብዝምልከት ብኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳት ክልተ ብልሒ
================================

እንታይ ኢዩ?

መፍትሒኡ ኸ?

እቲ ቀዳማይን ቀንድን ዕላማ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳት፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ናብ ናይ 1940ታት ኩነታት ንምምላስን፣ ንሓደሽቲ ወለዶ ኢትዮጵያ፡ ሃገሮም ከም ሃገር ካብ ትምስረት ኣትሒዛ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ምንባራ ንምእማን፡ ኮነ ተባሂሉ ዝሰራሓሉ ዘሎ ናይ ምድንጋር ጎስጓሳት ኢዩ። ከምኡ ብምግባር፡ ነቲ ኣብ 1991 ዝተሳዕረ፡ ንጉዕዞ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ዘይቅበል ኣተሓሳስባ ዓባይ-ኢትዮጵያ ዳግማይ ከምዝስዕርር ንምግባር ኢዩ።

እቲ ካልኣይ፡ እታ ሃገር (ኢትዮጵያ) ተሞርኲሳትሎም ዘላ ኩለ-መዳያዊ ደገፋት ንዘይምኽሳር፡ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ከይበላሾ ብጥንቃቐ ዝኽየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅመራ ኢዩ። እዚ ኣካይዳ እዚ፡ ነቲ ከም ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኣምሰሉ፡ ሉዑላዊ ዶባት ክኽበሩ ዝጽውዑ ወግዓዊ መግለጺታት ዘኽብር ዝመስል፡ ታክቲካዊ ምቕያድ ብኣህጉራዊ ሕግታት የጠቓልል። እንተኾነ ግና፡ ነቲ ሻሕ ዝብል ዘሎ ህሉው ዓለማዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝዘንገዐ ከኣ ኣይመስለንን። እስራኤልን ኢማራት ዓረብን ዝበላ ቀንዲ ዘረግቲ ዓለማዊ ሕግታት ከም ቀንዲ መወልቲ ዝተመሓዘወ ስርዓት ብልጽግና፡ ኣህጉራዊ ሕግታት ታክቲካዊ ደኣምበር ፍጹም ከምዘይኮነ ክስሕቶ ዝኽእል ኣይኮነን።

ብዝኾነ፡ ሓይሊ ናይቶም ዝካየዱ ዘለዉ ጎስጓሳት ኣብቲ ቀዳማይ ዕላማ ዝዘምበለ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ማእከል እቲ ጉዳይ ከኣ፡ እታ “ዋንነት ባሕሪ” እንዳተባህለት እትግለጽ ፖለቲካ ንረክብ። በዛ ፖለቲካ እዚኣ ከኣ ኢዮም ናብ 1940ታት ክመልሱና ዝፍትኑ ዘለዉ። ኪኒኡ’ውን ናብ ዘበነ ንግስነት ኣኽሱም ከይተረፈ ኢዮም ሃው ዝብሉ። ታሪኽ ጠፊኡዎም ግን ኣይኮነን። ሕጽቦ ኣእምሮ ኢዮም ከካይዱ ዝፍትኑ ዘለዉ። ኮይኑ ግና፡ ነቶም ብናይ መጻሕፍትን ሰነዳትን መረጋገጺታት ተሰኒዶም፡ ኣብ ፍቐዶ ዩኒቨርሲታት፡ ትካላት መጽናዕትን ኣብያተ-መጻሕፍትን ተዘርጊሖም ዝርከቡ ኣማኢት ኣሽሓት መወከሲታት ክሓኩዎም ኣይክእሉን ኢዮም። ነዚ ዘስተባሃሉ ገለ ለባማት ኢትዮጵያውያን’ውን ዓገብ ክብሉ ክንዕዘብ ጸኒሕና ኣለና።

ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ (ወደባት ኤርትራ)፡ “ትግራይ ትስዕር” ኣብ ዝበሃለሉ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት’ውን ብወገን ትግራይ ተመሳሳሊ ናይ ዋንነት ጭርሖታት ይጋውሑ ምንባሮም ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ። ሽዑ እቲ ጭርሖ ናይ ትግራይ ባሕሪ ዝብል ኢዩ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ’ውን ድሮ ኣብቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቖጻጺሩዎም ዘለዉ ክፋላት ትግራይ፡ (ተጋሩ ከም ኢትዮጵያውያን)፡ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ኢዩ ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ።

እምበኣር፡ እቲ ጉዳይ እንዳተጠናነገ ክኸይድ ምዃኑ ብዙሕ ምትንታን ዘድልዮ ኣይኮነን።

ናብቲ ካልኣይ ዕላማ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ጎስጓሳት ምስ እንሰግር ከኣ፥ ቋንቋ ዲፕሎማሲ ብምጥቃም ፈትወቲ ንምብዛሕ ብብዙሕ መንገድታት ዝገብሩዎም ዘለዉ ጻዕርታት ንረክብ። ቋንቋ ኲናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ፖሊሲታት ቁጠባን ህንጻን ሰላምን ይትግብሩ ምህላዎም ብዝተፈላለዩ ኣብ ባይታ ዝራኣዩ ነገራት ኣሰኒዮም ምስ ዓለም ኢሂን-ምሂን ክብሉ ንከታተል ኣለና።

በዚ’ሉ በቲ፥

ኣብ መወዳእትኡ ኸ እንታይ ኢዮም ዝደልዩ ዘለዉ? (ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ተፋጠጥ ምስ ኤርትራ ማለተይ ኢየ)።

ኣብ መወዳእትኡ ብእዋናዊ ቅዲ ፖለቲካ ገይሮም ነታ ናይ ሃይለስላሴን ደርግን ኢትዮጵያ ሃገራዊ ስምዒት ብምምላስ፡ እንተኺኢሎም ንሃገረ ኤርትራ ነበረ ያ ነበረ ንምግባር ኢዩ። (ነቲ ድሕሪ 1991 ኣብታ ሃገር ዓይኒ ኣፍጢጡ ዝተሰረተ ፖለቲካ ብሄራውነት ዝፈጥሮ መሰናኽላት ክሰግርዎ ይኽእሉ ዶ? ዝብል ሕቶ ከይተዘንገዐ ማለተይ ኢየ)።

ኣብቲ መበል 119 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢሎም ትማሊ ኣብ ዘብዓልዎ ጽንብል፡ ኩሉ እቲ ናይ ደርግን ሃይለስላሴን ዝነበረ መዝሙራትን ዜማታትን፡ በቶም ናይ ወተሃደራዊ ማርሺንግ ባንድታት ኣቃሊሖም። እቶም መብዛሕቶም ኣብዚ ናይ ሕጂ ሰራዊት እታ ሃገር ዘለዉ ወተሃደራውያን መኮንናት ናይ ደርጊ ሰራዊት ዝነበሩ ስለዝኾኑ፡ ነቲ ኣብ 1991 ዘጋጠሞም ደምዳምን ናይ ሓዋሩን ስዕረት እንዳዘከሩ ሕነ ንምፍዳይ ዝሕንሕኑ ከምዘለዉ ምርዳእ ይከኣል።

ኣብ መወዳእትኡ ኣቢ ኣሕመድ ነታ ሃይለስላሴን ደርግን ዝሓለሙዎ ኢትዮጵያ ክውንቲ ንምግባር ይህቅን ምህላዉ ርዱእ ኢዩ። እቲ ሕልሚ ከኣ፡ ከምቲ ሃይለስላሴ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራውያን ግዳይ ዝገበረሉ ፖለቲካ ዝመሳሰል ፖለቲካ ንምድጋም ዝህቅን ይመስል። ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ኤርትራ ነቲ ዘጋጠመ ድሕሪ ኤውሮፓዊ መግዛእቲ ክንሰግሮ ዝነበረና ንቡር መሰል ርእሰ-ውሳኔ ጨውዩ፡ ካብ ፖለቲካዊ ሰለማዊ ቃልሲ ሓሊፍና ብረት ክነልዕል ብምድፋእ፡ ን 30 ዓመታት ከም ህዝቢ ሰፍ ዘይብል ናይ ሂወትን መሰረታት-ሂወትን ከምንኸስር ገይሩ። ስርዓት ኣቢ ኣሕመድ ከኣ፡ ነቲ ብስርዓት ኢሰያስ ናጽነቱ ተጨውዩ ኣብ ማሕዩርን ምብትታንን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ኩነታት መዝሚዙ፡ ንድሕሪት ናብ 1940ታት ክመልሰና ኢዩ ዝሓልም ዘሎ። እንተኾነ ግና፡ ሽዑ ኣብ 1940ታት እኳ ዘይተኻእለ ሕጂ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ስነ-ኣእምሮ ህሉዋት ወለዶታት ኤርትራ፡ እቲ ንድሕሪት ምምላስ ክብድ ዝበለ ስለዝኾነ። ብምሉእ-ብምሉእ ዉሑስ ኢዩ ምባል ግን ዝከኣል ኣይኮነን።

እዚ ዘለናሉ መድረኽ ወሳኒ ኢዩ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ፡ ኣፍልጦ ደኣምበር ሕጋውነት የብሉን። ሃገርን ጸጋታትን፣ ባንክን ብረትን ተማእዘዝትን ኢዩ ኣፍሪዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ግና በቲኑዎ ኢዩ። ንተረከብቲ ሃገር ዝኾኑ መንእሰይ ወለዶ ካብ ሃገር ኣባሪሩን ነቶም ኣብ ሃገር ዝርከቡ ከኣ ኣብ ዕጹው ህላወ ዘስፈረ ኢዩ። እዚ መረረ ኢዩ። ኣብ ባይታ ዘሎ ዘሕዝን ኩነታት ምስተዓዘብካ እትብሎ መረረ።

እምበኣር እዚ ዘለናሉ መድረኽ፡ ነቲ ልዕል ኢለ ብሓጺሩ ተናኺፈዮ ዘለኹ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዳግማይ ዝዓልብ ዘሎ ዓይኒ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ንምብዳህ፡ ናይ ግብረ-መልሲ ክትዓት-ታሪኽ እነካይደሉ መድረኽ ኣይኮነን። እንታይደኣ፡ ከምቲ ካብ 1991 ክሳብ 1998 ተፈቲሑዎ ዝነበረ ዓይነት ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ፣ ግን ከኣ፡ ምስ እዋኑ ዝኸይድ ፍታሕ ተገይሩ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝድቅሰሉ ሓሳባትን ዘተታትን ብምጽዓቕ መንገዲ ክንጸርገሉ ዝግባእ መድረኽ ኢዩ።

ነንዝመጹ ወለዶታት ክነረድእ፡ ከም ወዮ ውሕጅ ክሰግር ክሳብ ህድእ ዝብለሉ ክጽበ ዝመረጸ’ሞ፡ ነናሻዕ ጋሻ ውሕጅ ስለዘርክቦ ምስጋር ዝሰኣነ ከይንኸውን።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ብልጽግና ነታ ክርቢት ሸርጢጡዋ ኢዩ። እቲ ብወገኖም ለይትን-መዓልትን ዝጋዋሕ ዘሎ ትረኻ ከኣ ነቲ ዝሓስቡዎ ዘለዉ ናይ መወዳእታ ዕላመኦም ንምህራም ከምዝሕግዞም ኣሚኖም ዝኽተሉዎ ዘለዉ ኣገባብ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓቕምታቱ ተበታቲኑን ከም ፖለቲካዊ ሃገራዊ ክዉንነት ተዳኺሙን ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንዝቕጽሉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኸይድ ሓድሽ ፖለቲካዊ “ኣርደልዋቕዕ” ክፈጥሩ ኢዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ከኣ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሃገረ-ኤርትራ ከም መሳርሒ ዝጥቀም ምልካዊ ስርዓት ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል መፍትሒ ምድላይ ኣብ ፖለቲክኡ ፈቲሽካ ዝርከብ ኣይኮነን። ሕሉፍ ተሞክሮታቱን ኣካይዳታቱን ምውካስ ይከኣል። በዚ ሕጂ ኢትዮጵያ ትህንደዶ ዘላ እቲ ስግኣት ማዕጾ ቤት ጽሕፈቱ ዝኩሕኩሕ እንተመሲሉዎ፡ ኩሉ ዓቕምታቱ ኣዋፊሩ እንተስ ብዕርቂ እንተስ ሞንጎኛ ዓቃብ ሰላም ከናዲ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ድሮ’ውን ይሰርሓሉ ኣሎ። እቲ ስርዓት ብክልቲኣተን መንገድታት ዕድመ ስልጣኑ ኣናዊሑ ማለት ከኣ፡ ኤርትራ ካብ ስግኣት ድሒና ማለት ከምዘይኮነ ክስመረሉ ይግባእ። ኤርትራ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ስግኣት ካብ ትሸከል ነዊሕ ዝገበረት ሃገር ኢያ። ናይ ደገ ስግኣት ከኣ ነጸብራቕ ውሽጣዊ ስግኣታትና ኢዩ። ውሽጣዊ ስግኣታትና እቶም “መረረ” ተባሂሎም ብምቁንጻብ ዝግለጹ፡ ድሮ ሃገርነትና ናብ ሓደገኛ ኩነታት ኣውሪዶሞ ዘለዉ ናይ ባይታ ሓቅታት ኢዮም። እዚኣቶም ኣብ ዝፍንጀሩሉ እዋን ከኣ፡ ካብቲ ናይ ደገ ስግኣት ብዝኸፍፈአ መልክዕ ኢዮም ነታ ሃገር ክበጃጅሉዋ።

ብዝኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ቆንስላትን ወኪላት ህግደፍን ስርዓት ኢሰያስ ለንቅነ ስራሕ ረኺቦም ቀኒዮም ኣለዉ። “መኸተ” ዝብል ናይ ግዜ ሰውራ ቅዲ ክፍሊ ጀማሂርን ወጻኢ ርክባትን ቀጺሎሙሉ ኣለዉ። እንተኾነ ግና፡ ካልእሲ ይትረፍ፡ እዚ ናይ ሕጂ ከምቲ ናይ 1998 “መኸተ” ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን። ካበይ ክመጽእ? ዘባህረርካዮ ህዝቢ? ሃገሩ ምእታው ዝኸላእካዮ ህዝቢ? ኣሰራጢኻን ብዕድሎምን ዕድሚኦምን ተላጊጽካ ሃጽ ከምዝብሉ ዝገበርካዮም መንእሰያት? ስለዚ፡ እቶም ደቂ ውሻጠን ገለ ኣብ ኤርትራ ንብረትን ገዛን ዘጥረዩን፡ ከምኡ’ውን ፓስፖርትን ገለ ናይ ቆንስል ኣገልግሎት ክረኽቡ ዝግደዱን ተኣኪቦም ገንዘብ እንተዋጽኡን እንተጨርሑን መፍትሒ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ነቲ እቲ ስርዓት ዝደልዮ ዳንኬራ ኲናት ዝቃልሑ ደኣምበር፡ መፍትሒ ዝኸውን ሓሳባት ዘቕርቡን በዳሕቲ ሕቶታት ዝሓቱን ኣይኮኑን።

ኣብ መወዳእታ እምበኣር፡ ነቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ጎጓሳትን ከምጽእ ዝኽእል ኲናትን ኣስተብሂልና፡ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ቀጻልነት ዘለዎ ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ እንተደሊና፡ ቅድም-ቀዳድም ካብ ነብሰ-ምትላል ብምውጻእ ናብ ውሽጥና ንጠምት። ውሽጥና ከየጽረናን ከየዐረናን ናይ ደገ ስግኣት ክንክላኸል ክንነብር እንተመሪጽና ግን አየ-ብዚ ኣየ-ብቲ ኮይንና ከይንተርፍ ዘስግእ ኢዩ።

ክልተኣዊ ጫፋት ፖለቲካዊ መካትዒ እንዳፈጠርካ ዝግበር ሓሸውየ ፖለቲካ ደንበ ዲያስፖራ ከኣ ሕጅስ ይእከሎ፡ ዒቕ ኢሉና።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስርዓት ኢሰያስ ዝዓቢ ጸላኢ የብሉን!!

ሰላም ነቲ ረዳኢ ዝሰኣነ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብና!

ሙስጠፋ ሌስዳይ
27/10/2026