ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ የመን፡ ኣብ ልዕሊ መዕርፎ ነፈርቲ ዓደን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ሰላማዊያን ሰባት ከም ዝቖሰሉን ገዚፍ ንዋታዊ ዕንወት ከም ዝወረደን፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ የመን ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣልዓረብያ እንግሊዝኛ፡ እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ’ዚ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ምስሕሓብ መሊሱ ንክጋደድ ምኽንያት ኰይኑ ይርከብ።

እቲ መጥቃዕቲ ንሲቪላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ዘገልግል መዕርፎ ነፈርቲ ዓደን ዒላማ ዝገበረ ኰይኑ፤ እቶም በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተፈላለየ ናይ ኣካል ጉድኣት ዝወረዶም ሰላማውያን ሰባት ህጹጽ ረዲኤት ኣገልግሎት ሕክምና ይግበረሎም ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

Passengers wait for their flights at Aden Airport in Aden

ብተወሳኺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዓደን ኣብ ዘለዉ ህንጻታትን መሰረተ-ልምዓታትን ርኡይ ዝኾነ ንዋታዊ ዕንወት ከም ዘስዓበ ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ስጉምቲ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትካላት ዝተፈጸመ ብምዃኑ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዂነኔ ይስዕበሉ ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።