ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሱዳን፡ ርእሰ ከተማ ዞባ ደቡብ ዳርፉር ኣብ ዝኾነት ንያላ፡ ብ26 ጥቅምቲ 2026 ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተገሊጹ።
ማዕከን ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ (AP)፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዕዳጋ ንያላ ብሰራዊት ሱዳን ከም ዝተፈጸመ፡ ንጉዳያት ጥሕሰት መሰላት ደቂ ሰባት ዝከታተል ትካል ጠበቓታት ህጹጽ ረድኤት ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እቲ ትካል፡ 113 ሰባት ከም ዝቖሰሉን መብዛሕትኦም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃኖምን ገሊጹ።
![]()
ትካል ዶክተራት ብዘይ ዶብ (MSF) ብወገኑ፡ ኣብ ንያላ ዝርከብ ሆስፒታል ክሳዕ ሕጂ ሬሳታት 36 ሰባት ከም ዝበጽሖን፡ ካብ’ቶም 21 ሰባት ኽዳን ሲቪላት ተኸዲኖም ከም ዝነበሩ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 150 ዝቖሰሉ ሰባት ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና እቲ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ንያላ፡ ካብ 2023 ጀሚሩ ምስ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝካየድ ኲናት ዝሳተፍ ዕጡቕ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝርከብ ከተማ እያ። ኣብቲ ኲናት፡ ክልቲኦም ወገናት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብሰፊሑ ይጥቀሙ ኣለዉ።
እቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትካላትን መሰረተ ልምዓታዊ ኣገልግሎታትን ንህይወት ንጹሃት ሰባት ከቢድ ሓደጋ የስዕቡ ኣለዉ።
እቲ ካብ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ኲናት ሱዳን፡ ሰፊሕ ዕንወት፡ ምምዝባል ህዝብን ቅልውላው ምግብን ጥዕናን ኣስዒቡ ኣሎ።
ኣስታት 34 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።






