ሰሜን ኮርያ፡ ሎሚ ረቡዕ 04 ሕዳር፡ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ጃፓን ሓያሎ ሚሳይላት ምውንጫፋ፡ ላዕለዋይ እዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ ደቡብ ኮርያ ከም ዘፍለጠ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ይሕብር ።

እዚ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዝተፈጸመ፡ ፒዮንግያንግ ነቲ ካብ ዓለማዊ መድረኽ ባይናንስ 6 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ክሪፕቶ-ካረንሲ (ዲጃታላዊ ገንዘብ) ሰሪቓቶ ዝብል ክሲ ኣመሪካ ብትሪ ምንጻጋ ስዒቡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ።

እቲ ምውንጫፍ ሚሳይል ዝተፈጸመ፡ ካብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሶንዶክ’ዩ።

እዚ ፒዮንግያንግ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ ዝፈጸመቶ ራብዓይ ዓቢ ምርኢት ኣጽዋር ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት’ውን ሃይፐርሶኒክ ሚሳይላትን ሓደስቲ ድሮናት መጥቃዕቲን ክትፍትን ጸኒሓ እያ።

North Korea conducts strategic cruise missile test with dispersal warhead,  KCNA says | Reuters

በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መለዋወጢ ዲጂታላዊ ገንዘብ ዝኾነ ባይናንስ፡ ልዕሊ 6 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዲጂታላዊ ሃብቲ፡ ብመጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዝተሰረቖ ገሊጹ ነይሩ።

ትካል ስለያ ኣመሪካ FBI፡ ነዚ መጥቃዕቲ ምስቲ TraderTraitor ዝበሃል ብመንግስቲ ሰሜን ኮርያ ዝድገፍ ጉጅለ መጥቃዕቲ ሳይበር ብቐጥታ ኣተሓሒዝዎ’ዩ።

ሓብቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ዝኾነት ኪም ዮ ጆንግ፡ ነቲ መርመራ FBI መርትዖ ዘይብሉ “ናይ ሓሶት ወረ” ክብላ ነጺጋቶ ኣላ።

ንሳ ወሲኻ፡ ሰሜን ኮርያ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዘተ መጻኢ ዘተ ከም ዘይትቕበል ብምግላጽ፡ “ምስዞም ጸላእቲ ፊት ንፊት ክንራኸብ ኣየድልየናን’ዩ” ክትብል ገሊጻ።

እዚ ሰሜን ኮርያ ብቕልጡፍ ዝሃበቶ ናይ ክሕደት መልሲ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ምስጢራዊ መሕለፊታት ድጅታላዊ ገንዘብ፡ ጽኑዕ እገዳ ክገብራ ከም ዝኽእላ ካብ ዘለዋ ዓቢይ ስግኣት ዝተበገሰ ምዃኑ ክኢላታት ይሕብሩ።